ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ብሪታንያን ተረዛ ሜይ ተራኺቦም ተዘራሪቦም


 ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ብሪታንያን ተረዛ ሜይ
ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ብሪታንያን ተረዛ ሜይ

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ብሪታንያ ተረዛ ሜይ ምስ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ተራኺቦም ብምዝርራብ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም። ቀዳመይቲ ሚኒስትር ብሪታንያ ንሓድሽ ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዝበጽሓ ናይ መጀመርያ መራሒት ሃገር እየን።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሜይ ትማሊ ሓሙስ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ፓርቲ ሪፖብሊካን ኣብ ፊላደልፍያ ተራኺበን ዝተዘራረባ ኽኾና ከለዋ ኣብዚ ርኽብ ንፕረዝደንት ትራምፕ ብምምዓድ ኣብ መንጎ ብሪታንያን ኣሜሪካን ሓድሽ ውዕል ንግዲ ከምዘድልይ ሓቢረን ኣለዋ።

“ከምቲ ፕረዝደንት ቸርችል ኣብ ሓደ እዋን ዝበልዎ “ሓደ ዓይነት ቋንቋ ንዛረብ፡ ኣብ ሓደ መሰውያ ንሰግድ ብዓብዩ ድማ ሓደ ዓይነት ሓሳባት ንኽተል ሰባት ኢና” ስለዚ ሎሚ ካብ ካልእ ጊዜ ንላዕሊ ሓያል ዝኾነ ርኽብ ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ፡ንግዲ፡ምኽልኻልን ፖለቲካን ኣለና። እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ድማ ሓደ ካብ ቀዳምነታቱ ብምስራዕ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ናይ ንግዲ ስምምዕ ምኽያዱ ብጣዕሚ ሕጉስቲ እየ።”

ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ እቲ ንግዳዊ ስምምዕ ብቅልጡፍ ክትግበር ዘለዎም ተስፋ እንተገለጹ’ኳ ብሪታንያ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ከይወጸት ዝኾነ ዓይነት ልዝብ ክካይዱ ኣይኽእሉን’ዮም።

ብዛዕባ’ዚ ናይ ንግዲ ስምምዕ ምስ ኣሜሪካ ዝተሓተቱ ሚኒስትር ፋይናንስ ብሪታንያ ካብ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ዋዕላ ካብ ብራስለስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ብሪታንያ እቲ ካብኣ ዝድለይ ግዴታ ከምትፈልጥ ገሊጾም ኣለው።

ክልቲኦም ቀዳማይ ሚኒስትር ተረዛ ሜይን ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ዓለምለከ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ብፍላይ ኣብ መዳይ ንግዲ ለውጢ ንምትእትታው ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ምውሳዶም ሓቢሮም።ብርግጽ ናይ ብሪታንያ ካብ ኣውሮጳ ምሉእ ንምሉእ ምውጻእን ናይ ፕረዝደንት ትራምፕ ካብቲ ናይ 12 ሃገራት ትራንስ ፓሲፊክ ሸሪኽነት ምውጻእ ነቲ ኣብ መጻኢ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝኻየድ ልዝብ ኣብ መዳይ ንግዲ ከምዝጸልው’ውን ኣይሓብኡን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG