ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ትራምፕ ንናይ መጀመርያ ዓለምለኸ ዑደት ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ተበጊሶም


ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ፈላማይ ዓለምለኸ መገሻ ሎሚ ዓርቢ ክጅምሩ እዮም። ኣሜሪካ ‘’ቅሌት ዋተርጌት’’ተባሂሉ ምስ ዝፅዋዕ ገለ ፖለቲከኛታት ዘወዳድሩዎ ፖለቲካዊ ፍፃመ ዘንፀላለው ዘሎ ሕጂ እዋን ፕረዝደንት ትራምፕ ዋይት ሃውስ ንድሕሪት ብምግዳፍ ንናይ ትሽዓተ መዓልታት መገሻ ናብታ ፈላማይቲ መዕረፊቶም ስዑዲ ዓረብ ተበጊሶም ኣለው።

ስለስተ ቀንዲ ሃይማኖታት ዓለም ዝርከባሉ ሰለስተ ሃገራት ስዑዲ ዓረብ፣እስራኤልን ቫቲካንን ፕረዝደንት ትራምፕ ዑደት ካብ ዘካየዱለን ሃገራት ገሊአን እየን።

ፕረዝደንት ትራምፕ ብዛዕባ መገሽኦም ዝምልከት ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብዘስምዕዎ መደረ ከምዚ ኢሎም።

“ንድሕነት፣ፀጥታን ረብሓታትን ህዝቢ ኣሜሪካ ቀዳምነት ስለዝህብ ንዝፀንሐ ሽርክነትና ንምሕያል ሓደሽቲ ምሕዝነት ክፈጥር እየ።”

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ናይ 2016 ዓ.ም ወፍሪ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዝተዛረብዎ ነቐፌታ፣ስደተኛታት ኣመንቲ እስልምና ናብ ኣሜርካ ንከይኣትው ደው ከብሎ እየ ፡ ብግዚያውነት ክእግድ እየ ምባሎም ኣብ ልዕሊ እምነት እስልምና ፅልኢ ኣለዎም ተባሂሎም ኽንቐፉ ጸኒሖም እዮም።ይኹን እምበር ሎሚ ስዑዲ ዓረብ ፈላመይቲ መዕረፊ ናይ ወፃኢ መገሽኦም ገይሮምዋ ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG