ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ትራምፕ “ብቀዳምነት ኣሜሪካ” ዝብል ዝርዝር ባጀት ንቤት ምኽሪ ኣቅሪቦም


Trump Budget
Trump Budget

ፕረዝደንታዊ ቤት ጽሕፈት ኣሜሪካ (ዋይት ሃውስ) ዝርዝር ባጀት ሎሚ ሓሙስ ኣቕሪቡ።

እዚ ሎሚ ዝቐረበ ባጀት ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ፣ንወፃኢ ሃገራትን ከም ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ዓለምለኸ ትካላት ዝምደብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምንካይ ንወታደራዊ ወፃኢ ወሲኹ’ሎ።

ገለ ተንተንቲ ምንካይ ባጀት ንናይ ኣሜሪካ ዲፕሎማሲ ዝበለፀ ውፅኢታዊ ክገብር ዝኽእል እዩ ክብሉ ከለው ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ሓዊሱን ካልኦት ግን ብትሪ ይቃወሙዎ ኣለው።

ላዕለዋይ ሰራሕተኛ ካፒቶል ሂል ዝነበሩ ሕዚ ንብሩኪንግስ ኢንስቲቱት ዝሰርሑ ጆርጅ ኢንግራም ኮንግረስ ከምዚ ዝበለ ምንካይ በጀት ሚኒስትር ወፃኢ፤ዲፕሎማስን ናይ ወፃኢ ሓገዝን ዝቕበሎ ኣይኮነን ኢሎም።

ሪፓብሊካዊ ሰናቴር ሊንድሰይ ግርሃም እቲ ምንካይ በጀት ንዳዕሽ ንምስዓር ንዝካየድ ግጥም ኣዚዩ ዝትንከፍ እዩ ኢሎም።

ናይ ፕረዝደንት ትራምፕ ባጀት ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ሓያል ክትዕ ክካየደሉ ትፅቢት ይግብር።

Recommended

XS
SM
MD
LG