ዋሽንግተን —
እዚ ስጉምቲ ፕረዝደንት ትራምፕ ንፖለቲከኛታትን ዓለምን ዋሽንግተንን አደንጽዩ’ሎ።
ፕረዝደንት ትራምፕ ነዚ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ምስጓግ ዳይሬክተር ኤፍቢኣይ ጄምስ ኮመይ፡ እቶም ዳይሬክተር ኣብ ዋሽንግተን ናይ ዘሎ ኹሉ ሪፖብሊካንን ዲሞክራትን እምነት ስኢኖም’ዮም ክብሉ ተኸላኺሎም።
ፕረዝደንት ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳቤ ኮመይ ነቲ ቢሮ ብብቕዓት ምምራሕ ኣይከአሉን ኢሎም ኣለው።