ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ንፍጻሜ ከተማ ቻርለትስቪል እንተኾነኑ'ኳ ኣብ መሰል ነጻነት ዘሎ ክትዓት ግን ይቕጽል አሎ


ፕረዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ንደገፍቲ ናዚን ኩ.ክላክስ.ክላንን ጨካን ገበነኛታት ክብሉ ትማሊ ሶኑይ ኮኒኖምዎም ኣለው።ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂኒያ ከተማ ሻርሎትስቪል ኣብ መንጎ ንፍፁም ልዕልነት ፀዓዱ ዝተኣከቡን ንዕኦም ዝቃወሙን ደማዊ ግጭት ስዒቡ ሽዑ ንሽዑ ብቑዕ ግብረ መልሲ ኣይሃቡን ብዝብል ኣብ ልዕሊኦም በሊሕ ነቐፌታ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።ኣብቲ ግጭት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብሓደጋ መኪና ተቐቲላ ካልኦት 20 ሰባት እውን ቆሲሎም።እቲ ፍፃመ ኣብ መንጎ ናይ ምዝራብ ነፃነትን ሕሱም ናይ ፅልኣት ገበናትን ዘሎ ዶብ ብዝምልከት ሓድሽ ክትዕ ኣልዒሉ’ሎ።

ፕረዝዳንት ትራምፕ ገሊኦም ደንጉዩ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ዝተውሃበ እዩ ንዝበሉዎ ግን ኸአ ተረር ቃላት ብምጥቃም ነቲ ፍጻሜ ኮኒኖምዎ ኣለው።

“ዓሌታዊነት ሰይጣናዊ እዩ።እዞም ህውከት ዝፈጠሩ KKK፣ደገፍቲ ናዚን ተኸተልቲ ፍፁም ልዕልነት ፀዓዱ፣ካልኦት ናይ ፅልኢ ጉጅለታትን ሓዊሱ ገበኛታትን ጨካናትን እዮም።”

ፕረዝደንት ትራሞፕ ዝሓለፈ ቀዳም ሽም ናይቶም ጉጅለታት ከይፀውዑ ብድፉኑ ናይ ፅልእን ቅርሕነትን ጉጅለታት ኢሎም ድሕሪ ምውጋዞም ካብ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ነቐፌታ ክቐርበሎም ጸኒሑ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ናይ ቐጥታ ናይ ቴሌቪዥን ፈነወ ዝተመሓላለፈ ስም እዞም ጉጅለታት ብምጥቃስ ነቲ ፍጻሜ ኮኒኖም።

ኣብ መንጎ ነቲ ሰልፊ ዘዳለውን ንዕኡ ዝቃወሙን ንስዓታት ዝቐጸለ ህውከት 32 ዓመት ዝዕድሚኣ ሄዘር ሀየር ንፍፁም ልዕልነት ፀዓዱ ካብ ዝኹንኑ ሓንቲ ነይራ።ሀየር ብመኪና ተሓሪማ፡ ተቐቲላ።

20 ዓመት ዝዕድሚኡ መራሒ ናይታ መኪና ጄሚስ ፊልድስ ጁኒየር ትማሊ ሶኑይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዋሕስ ተኸልኪሉ፤ብቕትለትን ካልኦትን ገበናት እውን ተኸሲሱ’ሎ።

ተሓለቕቲ ስቪላዊ መሰላት ብወገኖም ናይ ምዝራብ ነፃነት መለዓዐሊ ህውከት ዝኸውን መዓስ እዩ ዝብል ኣብ ምውሳን ንኣኽበርቲ ሕግን ስርዓተ ሕጊ ኣሜሪካን ዓብዪ ፈተና እዩ ይብሉ ።

ሎራ መርፊ ኣብ ማሕበር ስቪላዊ ሓርነት ኣሜሪካ ንኣስታት 20 ዓመታት ክኢላ ነፃነት ምዝራብ ብምዃን ዝሰርሓ እየን።

“ተግባርን ቃላትን ምፍላይ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣዚዩ ተባራዒ ናይ ፅልኢ ቃላት ምጥቃም ከምዝክኣል ፈቒዱ እዩ።ንዓይ እዚ ፅቡቕ ይመስለኒ፤ምኽንያቱ ሰባት ብዛዕብኡ ክዛረቡን ዝኾነ ነገር ክገብሩን ኣይክእሉን።”

ጌብ ሮትማን ክኢላ ሃገራዊ ፀጥታን ኣብ ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ናይ ዝተኻየደ ቀዳማይ ምምሕያሽን (ፈርስት ኣመንድመንት) ዝተሳተፉ እዮም።

“ብዘይስግኣት ክትዛረብ ዘይትኽእል እንተድኣ ኮይንኻ እቲ ቀዳማይ ምምሕያሽ ዋጋ የብሉን።ኣኽበርቲ ሕጊ ናይ ምዝራብ ነፃነት ክእግዱ የብሎምን።ህውከት ክልዓል እንተኾይኑ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ጉስጢ ከይፍጠር እኹል ዝኾነ ርሕቐት ክህልው ብምግባር ናይ ምክልኻል ስራሕ ክዓዩ ሓላፍነት ኣለዎም።"

ኣብ ሎስኣንጀለስ ናይ ዝመደብሩ ማእኸል ሳይመን ወይሰንታል ዲን ዝኾኑ ራቢን ማርቪን ሃየር ዘይምክእኣል ካብ ቃላት ናብ ስጉምቲ ኣዚዩ ብዝቐልጠፈ ክጋፋሕ ይኽእል እዩ ይብሉ።

“ልሙድ መፀውዒኦም ሒዞም ኣብ ብርሃን መዓልቲ መሊሶም እንተድኣ መፂኦም ሓይሊ ከንዋፍረሎም ኣለና።ኣስተምሁራዊ ሓይሊ።ስቕ ተባሂሎም ከይተርፉ ክነረጋግፅ ኣለና።ሰባት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እንታይ ይዛረቡ ከምዘለው ክፍልጡ፤ብዛዕባ ታሪኽ ናዚ ክፈልጡ ኣለዎም።"

ሚንስትር ፍትሒ ዝሓለፈ ቀዳም ንዝተፈጥረ ህውከት ምርመራ ስቪላዊ መሰላት የካይድ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG