ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ንዘቕረብዎ እገዳ መገሻ ዳግማይ ክረአ ጸዊዖም


ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመንቲ እስልምና ካብ ዝበዝሑለን ሽዱሽተ ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ንከይኣትው ዝኽልክል ትእዛዝ ብቕልጡፍ ከፅንዐሎም ፀዊዖም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ተኸታታሊ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ፅሒፎም ኣለው።

‘’ዝፎኸሰን ስለ ፖለቲካዊ ምስሉይነትን’’ ክበሃል ናብ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ እገዳ ኣቕሪቡ ክብሉ ንናይ ባዕሎም ሚኒስትር ፍትሒ ኣጥቂዖም ኣለው።በቲ እገዳ ካብ ዒራቕ፤ሶሪያ፣ሊቢያ፣ሱዳን፣የመንን ሶማልን ናብ ኣሜሪካ ንዝጉዓዙ ዝትንክፎም እዩ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ‘’ድሕነት ሃገርና ንምሕላው ናብ ኣሜሪካ ዝኣተው ሰባት ከቢድ ምፅራይ ንገብር ኣለና፤ኣብያተ ፍርዲ ግን ዝሕቱላትን ፖለቲካዊን እዮም ‘’ ክብሉ ፅሒፎም ኣለው ።

ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ እቲ ትእዛዝ ናብ ኣሜኢርካ ዝግበር ጉዕዞ መጠኑ ዘውሕድ እምበር ናይ ጉዕዞ እገዳ ኣይኮነን ይብሉ።

ናይ ፕረዝደንት ትራምፕ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ግን ካብ ናይቶም ሰበስልጣን ዝተፈለየ እዩ። ’’ሰባት፣ሰብሙያ ሕጊን ኣብያተ ፍርዲን ከምድላዮም ገይሮም ክፅውዕዎ ይኽእሉ፤ኣነ ግን እንታይ ከም እንደልን እንታይ ከምዝኾነን እየ ዝዛረብ ዘለኹ፤ናይ ጉዕዞ እገዳ እዩ።’’ ኢሎም።

ድሕሪ ደቓይቕ ድማ ፕረዝደንት ትራምፕ‘’ሚኒስትር ፍትሒ ኣብቲ ናይ መጀመሪያ እገዳ ክፀንዕ ነይሩዎ፤ዝለስለሰን፣ብፖለቲካዊ ኣዘራርባ ትኽክል ዝኾነን መልእኽቲ ናብ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ’ሎ’’ ብምባል ፅሒፎም።

XS
SM
MD
LG