ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያን ፕረዝደንት ትራምፕን ኣብ ጉዳይ ሶርያ ምዝርራቦም ተገሊጹ


ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ
ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ትማሊ ረቡዕ ምስ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጉዳያት ሬክስ ቲለርሰንን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ቀንዲ ኣጀንዳ ሶሪያ ነይራ።ኣብቲ ርኽብ ካልኦት ጉዳያት እውን ተላዒሎም እዮም።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ክረምሊን ድሕሪ ምርኻቦም “ፅቡቕ ርክብ ነይሩ” ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ መንጎ ናይ 2016 ዓ.ም ወፍሪ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካን ሞስኮን ነይሩ ንዝበሃል ምትእስሳር ይምርምር ናይ ዘሎ ፌደራላዊ ቢሮ ምርመራ ዳይረክተር ካብ መዝነቶም ድሕሪ ምብራሮም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዩ ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሩስያ ኣብ ጉዳይ ምፍታሕ ግጭት ሶሪያ ተራኺቦም ዝተዘራረቡ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ብዛዕባ እዚ ርኽብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን፤ተስፋ ብዝሓዘ ገምጋሞም ሚኒስትር ላቭሮቭ ከምዚ ኢሎም።

“ብዛዕባ ሶሪያ ብዝርዝር ተዘራሪብና ኣለና።ካብ ግጭት ነፃ ዝኾኑ ከባቢታት ንምጥያሽ ብዛዕባ ዝተቐመጠ እማመ ኣብ ግምት ዘእተወ ዝርዝር ነገራት ተዘራሪብና።”

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውፅኦ ሓፂር መግለፂ ሩሲያ ግጭታት ሶሪያን ዩክሬይንን ንምፍታሕ ብዙሕ ክትሰርሕ ከምዘለዋ ትራምፕ ኣስሚሮምሉ ኣለው ይብል ።

እቲ ኣወንታዊ ጽምፀት ግን ርክባት ሞስኮን ዋሽንግተንን ካብ ፀገማት ዝርሓቐ እዩ ማለት ኣይኮነን ይብል ኣብ ብሩኪንግስ ኢንስቲቱሽን ክኢላ ጉዳያት ዝምድና ሩሲያ ስቲቨን ፒፈር።ኩነታት ዩክሬይን ሓዊሱ ብዙሓት ዕንቅፋታት ኣለው ይብሉ።

ሚኒስትር ላቭሮቭ ኣብ ናይ ትማሊ ጋዜጣዊ መግለፂኦም ሩሲያ ኣብ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኢዳ ኣእትያ እያ ንዝብል ንህዝቢ ኣሜሪካ ዘዋርድ ናይ ሓሶት ሓበሬታ እዩ ክብሉ ውዱቕ ገይሮምዎ ኣለው።

ሚኒስትር ላቭሮቭ ትማሊ ረቡዕ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሬክስ ቲለርሰን ኣብ ዝተራኸብሉ ምብራር ዳይረክተር ኤፍ ቢ ኣይ ጄምስ ኮሚ ኣብ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዝህልዎ ፅልዋ ብጋዜጠኛ ሕቶ ቀሪቡሎም እንተነበረ እኳ ዘይሰምዑ ንምምሳል ‘ተባሪሩ ድዩ?ትቅልድ ዲኻ ዘለኻ?” ክብሉ ነቲ ጋዜጠኛ መሊሶም ክሓትዎ ተሰሚዖም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG