ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገምጋም ቀዳሞት 100 መዓልታት ስልጣን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ


ቀዳሞት 100 መዓልታት ስልጣን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዓወት`ዶ ብፍሽለት ይግለጻ ኣብ ዝብል ገምጋም ዝተሃናፈጸ ርእይቶታት`ዩ ዘሎ። ሪፓብሊካን ብሓፈሻ ገና ድጋፎም ቀጺሎም ኣለዉ። ዲሞክራት ድማ ብፍሽለት ይገልጽዎ። ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብኣሃዛዊ መዐቀኒ ርእይቶታት፡ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ፕረዚደንትታት ዝተሓተ ተቐባልነት`ዩ ኣመዝጊቡ ዘሎ።

ይኹን`ምበር፡ ኣብ መጀመርታ ትሑት ነጥቢ ዘመዝገቡ ፕረዚደንትታት፡ ብእኡ ይቕጽሉ ማለት ከምዘይኮነ፡ ናይ በዓል ሮናልድ ረጋን፡ ጆን ከነዲ ከምኡ`ውን ናይ ቢል ክልንተን ኣብነት ምውሳድ ይክኣል`ዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።

ብዛዕባ 100 መዓልታት ስልጣን ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተዳለዉ ገምጋም ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ገምጋም ቀዳሞት 100 መዓልታት ስልጣን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:12 0:00

XS
SM
MD
LG