ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሚድያን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣገደስቲ’ዮም" ፕረዚደንት ስዊሰርላንድ


ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መገሻ ዝፍጽማ ዘለዋ ፕረዚደንት ስዊሰርላንድ ሲሞኒታ ሲማሩጋ ኣብ ስርዓት ፈደራልዝም ዘማእከለ መደረ አቅሪበን።

150 ዓመት ዕድመ ንዘቁፀረ ፈደራላዊ ስርዓት ስዊትዘርላንድ ዘተኮራሉ ፕረዚደንት ሲሞኒታ ሲማሩጋ፣ ንኣድላዪነቱን ኣገዳስነቱን’ውን ኣብሪሄን።

‘ሲቪክ ማሕበረሰብን ሚድያን ሰናይ ተራ ኣለዎም’ ኢለን ንሰን።

ፕረዚደንት ስዊስ ምስ ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመን ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝን ተረኺበን’የን። ምስ ካልኦት ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ክዘራረባ’ውን መደብ ኣለወን።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ንምስማዕ ይኸአል።

ጸብጻብ ዑደት ፕረዝደንት ስዊዘርላንድ አብ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:04 0:00

XS
SM
MD
LG