ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ምንጩ ዘይተፈልጠ ገንዘብ ብምእካብ ምትምያንን ምድንጋር ገንዘብን ዝትሕዝትኦም 16 ክስታት ቀሪብዎም፥ ሎሚ ኣብ ከተማ ደርባን ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ቅድሚ ክልተ ወርሒ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ጃኮብ ዙማ፥ ኣብ ስልጣን ንትሽዓተ ዓመታት ዝጸንሑ ክኾኑ እንከለው፤ ኣብ 2.5 ቢልዮን ዶላር ዝወደአ መሸጣ ኣጽዋር ብልሽውና ኣካይዶም ዝብል ቀንዲ ክሲ ቐሪብዎም ኣሎ።

ኣብቲ 15 ደቓይቕ ዝወሰደን ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማን ዝተረኽብሉ መጋባእያ ከተማ ደርባን: ጠበቓታት ፕረዚደንት ነበር ዙማን ኣኽባር ሕግን ተወሳኺ መርትዖታት ንምእካብ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደርባን ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐባልነት ብምርካቡ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰነ 08 ዳግማይ ክራኸቡ ምዃኖም ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ነበር ዙማ ካብቲ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምውጽኦም ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝተረኽቡ ደገፍቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል: እቲ ክሲ ሓቅነት ከምዘይብሉ ገሊጾም። ንሶም ብተወሳኺ "ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኮይነ ክሳብ ዘይረኸበኒ ንጹህ እየ" ክብሉ ድማ ንሰብዓብቶም ኣፍሊጦም።

XS
SM
MD
LG