ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ኤርትራ ይበጽሕ


ፕረ. ሶማል ኣብ ኤርትራ
ፕረ. ሶማል ኣብ ኤርትራ

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ንወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ሎሚ ሰኑይ 8 ሓምለ 2024 ኣስመራ ከምዝኣተወ፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ሓቢሩ።

ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ ሎሚ ምሸት ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝገብርዎ ዝርርብ፡ ብዛዕባ ንኽልቲኦም ዘገድስ ክልቲኣዊ ምትእስሳርን ኣህጉራዊ ጉዳያትን ክዘራረቡ`ዮም።

ኤርትራ ወተሃደራት ሶማል ምስልጣን ካብ ትጅምር ንድሓር፡ ፕረዚደንትታት ሶማል ብተደጋጋሚ ናብ ኤርትራ ዑደት ክገብሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብኻልእ ዞባዊ ሸነኽ፡ ብምኽንያት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገብረ መዘክር ስምምዕ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ውጥረት ኣትየን ዘለዋ ኢትዮጵያን ሶማልን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንጎኝነት ቱርኪ፡ ኣብ ኣንካራ ዘይ-ቀጥታዊ ዝርርብ ምክያደን ይዝከር።

እዚ ናይ ፕረዚደንት ማሕሙድ ናይ ኣስመራ ዑደት፡ ኣካል`ዚ ዲፕሎማሲ እንተኾይኑ ዝተነግረ ነገር የለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG