ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኢትዮጵያ ዜጋታታ ኣብ ምሕባር ኣይተዓወተትን" ፕረ ሳህለወርቅ


ፕረ.ሳህለወርቅ ንፓርላማ መደረ ኣብ ዝሃባሉ ዝተወስደ
ፕረ.ሳህለወርቅ ንፓርላማ መደረ ኣብ ዝሃባሉ ዝተወስደ

ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ "ኢትዮጵያ ‘ሓደ ሃገራዊ ትረኻ’ ፈጢራ ንዜጋታታ ክትጠምሮም ኣይካኣለትን" ኢለን።

ንሰን ትማሊ ሰኑይ 9 ጥቅምቲ 2023 ንሓባራዊ ኣኼባ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ "ዘሕብረና ሃገራዊ ትረኻ ክንፈጥር ኣይካኣልናን። ብኩላትና ተቀባልነት ዘለዎ ስርዓተ መንግስቲ ክንምህዝ ኣይካኣልናን" ምባለን ኤ.ኤፍ.ፒ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ወሲኸን "ሎሚ’ውን ተገማሚዕና ኣለና። ንኣፈላላያትና ክነተኣናግድ ኣይካኣልናን። ውጽኢቱ ድማ ግጭትን ውግኣትን፣ ዘይትካእ ኪሳራን ኮይኑ ኣሎ" ኢለን።

"ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ፣ ብገለ ተንተንቲ ህይወት ኣማኢት ኣሻሓት ዝበልዐ ኲናት፣ ዝሓለፈ ሕዳር ድሕሪ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸትመ ውዕል ደው ምባሉ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ፣ ኢትዮጵያ ሎሚ’ውን ብፖለቲካዊ ነውጺ፣ ምስሕሓብ መንነትን መሬትን ትሕመስ ኣላ።"

ፕረ.ሳህለወርቅ ናይ’ታ ሃገር ኮምሽን ልዝብ፣ ተግባራዊ መስርሕ ልዝብ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያዊያን ከምዘስጉም ምጽዋዓን'ውን ትካል ዜና ፈረንሳ ይ ሕብር።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG