ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞስኮ ኣብ ዩክሬን መጥቓዕታ ኣሐይላ ኣብ ዝቐፀለትሉ እዋን ቻይናን ሩሲያን ዝምድነኣን የሐድሳ


ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ቻይና ግጭት ዩክሬን ንክፍታሕ ትገብሮ ንዘላ ፃዕሪ ብዝምልከት ንፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ኣመስጊኖምዎም። ክልቲኣን ሃገራት ምስ ምዕራባዊያን ዘለወን ወጥሪ እናዓሞቐ ይኸይድ ኣብዘለሉ ሕጂ እዋን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ቤይጂንግ ክልቲኦም መራሕቲ "ደረት ኣልቦ’’ ሽርክነት ንምክያድ ዝምድነኦም መሊሶም ኣረጋጊፆም ኣለው።

ፕረዚደንት ፑቲን ካብ ፅኑዓት መሻርኽቶም ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ሃገረ ቻይና የካይዱዎ ዘለው ናይ ኽልተ መዓልታት ዑደት ሓይልታቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክሬን ዞባ ኻርኪቭ ምሉእ ወራር ካብ ዝጀመረሉ ኣትሒዙ መጥቓዕታቶም ብምሕያል ኣዚዩ ኣገዳሲ ብዝኾነ ናብ ውሽጢ ግዝኣት ዩክሬን ኣትዮም ኣለው።

ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ግጭት መፍትሒ ከምዝደልዩ እንተገለፁ እውን ክሳብ ሎሚ ሓሙስ ድሕሪ ስዓት ሓዱሽ ዝርዝር ኣይሃቡን። ብመሰረት ፀብፃብ ኣሶሼይትድ ፕረስ ቻይና ድሕሪ ወራር ዩክሬን ቀንዲ ደጋፊት ሩሲያ ብምዃና ዓብዪ ፅልዋ ኣለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG