ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ፑትን ሩስያ ንኣፍሪቃ መግቢ ብናጻ ክትህብ ትኽእል`ያ ኢሉ


ፋይል- እKሊ ዝጸዓና መራኽብ ኣብ ጸሊም ባሕሪ
ፋይል- እKሊ ዝጸዓና መራኽብ ኣብ ጸሊም ባሕሪ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ትማሊ ሰኑይ እቲ ብጸሊም ባሕሪ ዝግበር ሰደድ እኽሊ ኪንዮ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘይናዋሕ ኮይኑ፡ ሩስያ ንኣፍሪቃ መግቢ ብናጻ ክትህብ ትኽእል`ያ ኢሉ።

እቲ ካብ ዩክሬን ብጸሊም ባሕሪ ጌሩ ናብ ኣፍሪቃን ኤስያን እኽሊ ክሓልፍ ዝተገብረ ስምምዕ ቅድሚ ደረት ግዚኡ ምሕላፉ ተናዊሑ`ሎ።

ኣብ ሞስኮ ኣብ ዓለምለኻዊ ፓርላመንታዊ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ዝተዛረበ ፕረዚደንት ፑትን፡ ነቲ ውዕል ምንዋሕ ማለት ንተወሳኺ 60 መዓልታት ምቕጻል ማለት`ዩ ኢሉ። ኣብቲ ውዕል ዘለዋ ሃገራት ነቲ ኣገዳሲ ዝብልኦ ጠለባት ሩስያ ብምሉኡ ክኽብራ ኣለወን ክብል ጸዊዑ`ሎ።

"መርገጽና ኣብ ግምት እንተ ትዩ ጥራሕ`ዩ እቲ ውዕል ሰደድ እኽሊ ጸሊም ባሕሪ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል፡ ኣብዚ ተመስሪትና ድማ ብዛዕባ ቀጻሊ ተሳትፎና ውሳነ ክንህብ ኢና" ዝበለ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን፡ ሩስያ፡ ነቲ ውዕል ክተናውሖ እንተዘይወሲና ግን፡ ነቲ እኽሊ ብናጻ ናብ ኣፍሪቃ ከምዝለኣኽ ክንገብር ኢና ክብል ኣሰሚዑ።

ዩክሬንን ሩስያን፡ ቀንዲ ኣፍረይቲ ስርናይ ስገምን ሱፍን ምዃነን ይፍለጥ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ድማ ብዝሓሰረ ዋጋ ነቲ እኽሊ ዝረኽባሉ ዕድል ምዃኑ ይፍለጥ።

ምስ ዚ ብዝተሓሓዝ ኣካል`ቲ “እኽሊ ካብ ዩክሬን” ዝብል ሰብኣዊ ፕሮግራም ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኬንያ ብደርቂ ንዝተሃስዩ ሚልዮናት ዜጋታታ ንምዕንጋል ዓሰርተታት ኣሸሓት መትሪክ ቶን እኽሊ ስርናይ ተቐቢላ።

እቲ ፕሮግራም ካብ 2022 ጀሚሩ፡ ሓገዝ ንዘድልየን ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ 140ሺሕ ቶን ከምዘቕረበ ይግለጽ።

ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ሪጋቲ ጋቻጉዋ ምስ ዝተፈላለዩ ኣጋይሽ ብምዃን ነቲ እኽሊ ትማሊ ኣብ ወደብ ሞምባሳ ተቐቢልዎ`ሎ። ነቲ ልግሲ ዝመወልኦ፡ ኖርወይ:በልጅም: ኢጣልያ: ቸክ ሪፓብሊክን ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከብአን ብርክት ዝበላ ሃገራት`የን። ፕሮግራም መግቢ ዓለም`ውን ኣብ ምርጋፍ`ቲ እኽሊ ሓጊዙ `ዩ። እቲ ረድኤት ን5.4 ሚልየን ብደርቂ ዝተሃሰዩ ኬንያውያን ከምዝሕግዝ ብምግላጽ `ውን እቲ በዓል ስልጣን ኬንያ፡ ንዩክሬን ኣመስጊኑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG