ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ፕሬዝዳንት ኦባማ ናይ ኬንያን ኢትዮጵያን ዑደትን ትርጉሙን


President Barack Obama, waves as he leaves the White House in Washington, July 23, 2015, for a trip to trip to Kenya and Ethiopia.
President Barack Obama, waves as he leaves the White House in Washington, July 23, 2015, for a trip to trip to Kenya and Ethiopia.

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ናብ ናይ ወላዲ ኣቡኦም ዝኾነ ሃገር ኬንያ፣ብምቕፃል ድማ ናብ ኢትዮጵያ ክጉዓዙ እዮም።እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝካየድ ዓለምለኸ ጉባኤ መራሕቲ ፈጠራ ንግዲ ክሳተፉ እዮም።

ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክፍፅም ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ፈለማይ እዮም።ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም ሕቶታት ምልዓሉ ኣይተረፈን። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ብቁጠባ ዝለዓለ ዓወት ዘመዝገበትን ኣብ ምግስጋስ እትርከብን ሃገር እንተኾነት እውን ዓበይቲ ሽግራት ኣለዋ።ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ከቢድ ዓፈና ይፍፀም።

ኣብዚ ኩነታት ፕሬዝዳንት ኦባማ ዑደት ምክያዶም ዝተጋገየ መልእኽቲ የሕልፍ እዩ ብዛዕባ ዝብሉ ነቐፍቲ ሪኢቶ ክህባ ዝተሓተታ ኣብ ማእኸል ዊልሰን ዳይረክተር ፕሮግራም ኣፍሪካ ሞንዴይ ሙያንጉዋ ፕሬዝዳንት ኦባማ ክልቲአን ሃገራት ኬንያን ኢትዮጵያን ንዑደት ምምራፆም ንጉዳይ ኣፍሪካ ዝከታተሉ ብገሊኦም ማሕበረሰባት ስኽፍታ ዝፈጠረ ጉዳይ እዩ ይብላ።ኣብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምሕደራን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ዘሎ ስኽፍታ ብምሕባር።

‘’ኬንያን ኢትዮጵያን ብፋላይ ኣብ ጉዳያት ፀጥታ ቁልፊ ስትራተጂያዊ መሻርኽቲ ዩናይትድ ስቴትስ ምዃነን እውን ክንርስዕ የብልናን’’ዝበላ ንሰን ‘’ኣብ ሱማሊያን ኣብምሉኡ ቀርኒ ኣፍሪካን ዘሎ ኩነታት ንክልቲአን ሃገራት ዓብዪ ፈተና እዩ’’ይብላ። እዚ ስግኣት እዚ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪካ ጥራሕ ከይኮነስ ዓለምለኸ መልክዕ እውን ኣለዎ ኢለን።በዚ መንፅር ኬንያን ኢትዮጵያን ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቁልፊ መሻርኽቲ እየን።እቶም ፕሬዝዳንት ዘካይድዎ ዑደት ክልቲእን ሃገራት ኣብቲ ዞባ ሰላምን ፀጥታን ንምስፋን ከምኡ እውን ኣንፃር ኣል-ሸባብ ንምውጋእ የበርክትኦ ንዘለዋ ኣስተዋፅኦ ብኣካል ተረኺቦም ንምምዝስጋን ዕድል ይህቦም እዩ ይብላ።ዝርዝሩ ኣብዚ ይስምዑ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:21 0:00

XS
SM
MD
LG