ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ኦባማ ዶናልድ ትራምፕ ብቑዕ ሕጹይ ዘይምዃኖም ብመዓልታዊ ተግባራቶም የረጋግጹ ክብሉ ነቒፎም


ፕረዝደንት ኦባማ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ክፍለ ግዝኣት ኔቫዳ ንሂላሪ ክሊንተን ብምድጋፍ ኣብ ዘስምዕዎ ወፍሪ ምርጫ
ፕረዝደንት ኦባማ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ክፍለ ግዝኣት ኔቫዳ ንሂላሪ ክሊንተን ብምድጋፍ ኣብ ዘስምዕዎ ወፍሪ ምርጫ

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ሪፓብሊካዊ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ዶናልድ ትራምፕ ‘ፕረዝደንት ዩናይትድ ስቴትስ ንምዃን ብቕዓት ዘይብሎም ምዃኖም በብዕለቱ የረጋግፁ ኣለው’ ክብሉ ነቒፎምዎ።

ፕረዝደንት ኦባማ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ክፍለ-ግዝኣት ኔቫዳ ንሂላሪ ክሊንተን ብምድጋፍ ኣብ ዘስምዕዎ ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ እቲ ምርጫ ድሮ ተሰሪቑ እዩ ክብሉ ኣብ ቀረባ ብተደጋጋሚ ምግላፆም ዝሕብሮ ነገር ትራምፕ ይሰዓሩ ምህላዎም እዩ ኢሎም።

ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ዘለወን ፀብለልታ እናገፍሓ ይርከብ።ብኤቢሲ ዝተኣከበ ሓድሽ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ሂላሪ ክሊንተን 50 ብ38 ሚእታዊት ይመርሓ ኣለዋ።

ዶናልድ ትራምፕ ግን እዚ ዴሞክራሲያዊያን ፓርቲ ንሂላሪ ክሊንተን ንምፅብባቕን ኣቓልቦ መረፅቲ ንምስሓብ ብናይ ሓሶት መራኸቢ ብዙሃን ዝፈጠሩዎ ናይ ሓሶት ኣሃዝ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG