ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዓለም ቁጠባዊን ጸጥታውን አገዳስነቱ ዓብይ'ዩ ኢሎም


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ለውጢ ኩነታት ኣየር ቁጠባውን ጸጥታውን ኣገዳስነቱ ዓብዪ'ዩ ስለዚ ብዘይውዓል ሕደር ክፍታሕ አለዎ ኢሎም።ንሶም ነዚ ዝብሉ መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ ለውጢ ኩነታት ኣየር ጉባኤ የካይድሉ ካብ ዘለው ከተማ ፓሪስ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዮም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ሙቐት ዓለም በቲ ሕጂ ዘለዎ እንተድኣ ቀጺሉ ቁጠባውን ጸጥታውን ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን እዩ ኢሎም።

'ዓለም በቲ ሕጂ ዘላቶ ሙቐት ክትቕጽል እንተፈቒድና፣ናይ ባሕሪ ብራኸ በቲ ዝኸደሉ ዘሎ ፍጥነት እንተቀጺሉ፣ኩነታት ኣየር ብዘይግመት ኣገባብ ምቅይያሩ እንተቀጺሉ ዝዓበየ ኽፋል ቁጠባውን ወታደራውን ጸጋታትና ንምዕባለ ህዝብና ከይኮነስ ብዙሕ ከይጸናሕና ንዝፍጠሩ ሳዕቤናት ለውጢ ዓለምና ክነውዕሎ ኢና' ይብሉ ፕረዝደንት ኦባማ።

73 ኩባንያታት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ለውጢ ኣየር ስጉምቲ ክውስዳ ድጋፍ ንምሃብ ቃል ከምዝኣተዋ ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ (ዋይት ሃውስ) ሎሚመዓልቲ ሶሉስ ኣፍሊጡ’ሎ።ናብ ኣየር ዝፍነው መርዛም ጋዝ ክሳብ 50 ሚእታዊት ዝበጽሕ ከምዘጉድላ ምጥቃመን ማይ ድማ ብ80 ሚእታዊት ከምዝቕንሱ ካብ ዝተቐመጡ ሸቶታት ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG