ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ - ድምፂ ህዝብታት ማኸላይ ምብራቅን ሰሜን አፍሪቃን ክስማዕ ይግባእ


Obama speech
Obama speech

ናይ ዩናይትድ ስቴይትስ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንዓአረባውን እስላማውን ዓለም ሎሚ ብቀጥታ መደረ አስሚዖም።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብዚ ብቀጥታ ዘስምዕዎ መደረኦም ዜጋታት ማእኸላይ ምብራቅን ሰሜን ኣፍሪቃን ንነፃነቶምን ዲሞክራስን ንዝገብርዎ ዘለው ምንቅስቃስ ንኢዶም፡ እዞም ህዝባዊ ድምፅታት ክስምዑ ይግባእ ኢሎም።

ፕረዚደንት ኦባማ ኣብዚ ካብ ቤት-ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንእስላማዊ ዓለም ብቀጥታ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ፡ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቅን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝርአ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ብሓጎስ ከምትቅበሎ ከምትድግፎን ተዛሪቦም።

እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ዝካየድ ዘሎ መፀዋዕታ ንለውጢ ብህውከት ይምልሻሉ'ለዋ ኢሎም።

ነዚ ኣዝያ ምሳሌ ትኸውን ሊብያ'ያ ዝበሉ ፕረዚደንት ኦባማ መራሒ ሊብያ መዓመር ጋዳፊ ኣንፃር ህዝቦም ኹናት ኸፊቶም'ለዉ ኢሎም።

ፕረዚደንት ኦባማ ኣሜሪካን መሻርኽታን ስጉምቲ እንተዘይወስዳ ኣሽሓት ሰባት ምሞቱ ኔሮም ኢሎም።

እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ብዝምልከት ኸአ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣዝዩ ዘሕፅፅ ጉዳይ'ዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ኦባማ ምስ ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዓርቢ ከምዝራኸቡ ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ኦባማ መደረኦም ዝዛዘሙ ኣብ ዓረባዊ ዓለም ውልቀ-መላኽቲ ክጠፍኡ'ዮም ዜጋታት ባዕሎም ርእሶም ዘመሓድርሉ መንግስቲ ክምስርቱ'ዮም ኣሜሪካ ኸአ ነዚ ብገፊሑ ትድግፍ'ያ ብዝብል ሐረግ'ዩ።

XS
SM
MD
LG