ዋሽንግተን ዲሲ —
ናይ አሜሪካ ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ አብ 2016 ንሓይልታት አሜሪካ ካብ አፍጋኒስታትን ንምውጻእ ዝነበረ ውጥን ከምዘደናጎይዎ ሎሚ አፍሊጦም።
ፕረዝደንት ኦባማ ሎሚ አብ ዋይት ሃውስ ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ጣሊባን ንአሜሪካ ብዘይተጸበየቶ ኩነታት አብታ ሃገር ዓወት ይረኽብ አብ ዘለሉ እዋን'ዩ።
አብታ ኩናት ዝሃሰያ ሃገር ዘለዉ ወታደራዊ ሓይልታት አሜሪካ አብዚ እዋን'ዚ ቁጽሮም 9,800 ክከውን ከሎ ከምኡ ኢሉ ክጸንሕ ምኳኑ ዝገለጹ ፕረዝደንት ኦባማ ስልጣን ክሳብ ዝሓድግሉ ክሳብ 2017 ዓ.ም ከአ ቁጽሮም ናብ 5,500 ክወርድ ምዃኑ ገሊጾም አለዉ።
አሜሪካ ንሓይልታት አፍጋኒስታን ምስልጣንን አብ ጸረ-ሽብር ተግባራት ዘለዋ ዕማም ከምትቅጽል'ውን ፕረዝደንት ኦባማ ገሊጾም አለዉ።