ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ዝተቐትሉ ኣባላት ፖሊስ ንምዝካር ኣብ ዝተረኽቡሉ ንኣባላት ኣኽበርቲ ሕጊን ነበርትን ንኢዶም


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ዝተቐትሉ 5 ኣባላት ፖሊስ ንምዝካር ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዳላስ ኣብዝተዳለወ ስነስርዓት ተረኺቦም ኣባላት ኣኽበርቲ ሕጊ ነበርትን ማሕበረሰባትን ፀጥትኦም ንኽሕሎ ንዝገብሩዎ ፃዕሪ ናእድኦም ገሊፆም።

ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘሎ ፅልኣት እውን ክፍታሕ ኣለዎ ኢሎም።ኣብቲ ስነርዓት ቅድሚኦም ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽን እውን ተረኺቦም መደረ ኣስሚዖም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ከምቲ ናት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዳላስ ዝተኻየፈሉዎ ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብ ካልኦት ብርክት ዝበልይ ኣጋጣሚታት ብተመሳሳሊ ተሳቲፎም እዮም።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኦርላንዶ፣ፍሎሪዳ ድሕሪ ዝተፈፀመ ቕትለት ኣብ ዝተኻየደ ስነርዓት፣ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቻርልስተን ሳውዝ ካሮላይናን ቅድሚኡ ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ብኣካል እናተረኸቡ ንሕዙናት ኣፀናኒዖም እዮም።

ኣብ እዋን ፕሬዝዳንትነቶም ኣብ ብዙሓት ስነስርዓታት ቀብሪ ወይ መዘከርታ ምዝራቦም ዝገለፁ ፕሬዝዳንት ኦባማ እቲ ሕብረትሰብ ፖሊስ ዝኸበደ ፀውራ ክሽከም እናገበረ ንዝወስዱዎም ስጉምትታት ግን ሓላፍነት ኣይወስድን ኢሎም።

ሙሉእ ትሕዝቶኡ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል።

XS
SM
MD
LG