ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ንኽልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ንዘስምዕዎ መደረ ዝተሓዋወሰ መልሲ ተዋሂቡ


መንጎ ኣሜሪካዊያን ዘሎ ናይ ኣታዊ ዘይምምጥጣን ምንካይን ቁጠባ ሃገሮም ዝበለፀ ሚዛናዊ ንክኸውን ምስራሕን ምዃኑ ብኣፅንኦት ሓቢሮም ኣለው

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ዳግማይ ንምምራፅ ከቢድ ወፍሪ ኣብዘጋጠሞም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ትማሊ ምሸት ንኽልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስን ህዝቢ ኣሜሪካን ኣብዘስምዕዎ መደረ/ STATE OF UNION/ ዝበዝሕ ግዚኦም ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኢኮኖሚያዊ ሕውየት ዘተኮረ ነይሩ።መደርኦም ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝተሓዋወሰ መልሲ ረኺቡ’ሎ።

ፕሬዝዳንት ብራክ ኦባማ ኣብቲ ናይ ትማሊ ሰሉስ ምሽት መደርኦም ብዛዕባ መፃኢ ቁጠባ ዩናይትድ ስቴትስ፡ናይ ኣሜሪካ ኣቑሑት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ፡ብዛዕባ ናይ ኣሜሪካ ኢነርጂ፡ንኣሜሪካዊያን ሰራሕተኛታት ስልጠና ብዛዕባ ምሃብን ናይ ኣሜሪካውነት እሴታትን ትልሞም ዝገለፅሉ እዩ ነይሩ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ቀንዲ ሓሳብ ወይ’ውን ቴማ ወፍሪ ዳግማይ ምርጭኦም ዝመስል ኣብ መንጎ ኣሜሪካዊያን ዘሎ ናይ ኣታዊ ዘይምምጥጣን ምንካይን ቁጠባ ሃገሮም ዝበለፀ ሚዛናዊ ንክኸውን ምስራሕን ምዃኑ ብኣፅንኦት ሓቢሮም ኣለው።

ኣስዒቦም ድማ ከምዚ ይብሉ ‘’ዝበዝሑ ኣሜሪካዊያን ኣታዊኦም እናንቆልቀለ ኣብዝኸደሉ ዘሎ ዝነኣሰ ቑፅሪ ዘለዎም ሰባት ግን ሃብቶም እናተዓፃፀፈ ዝኸዱላ ሃገር እያ ክትህልወና።ወይ ድማ ኩሉ ሰብ ዝግብኦ ዝረኽበላ፡ኩሉ ሰብ ብዝተቕመጠ ሓደ ዓይነት ሕጊ ግብኡ ዝፍፅመላ ሃገር ምምስራት እዩ።’’

ኣምሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኢንዲያና ዝኾኑ ሪፓብሊካዊ ሚች ዳኒየልስ ኣብዝሃብዎ መልሲ ነቲ መደረ ናይ ኦባማ ኣኽራርነትን ንድኽነት ዝድግፍ ፖሊስን እዩ ክብሉ ፀዊዖምዎ።ምምሕዳር ኦባማ ምስ ገለ ኣሜሪካዊያን ብምውጋን ንኻልኦት ብምንቃፍ ንኽመቓቕለና ካብ ምርኣይ ዘሕዝን ነገር የለን ዝበሉ እቶም ሪፓብሊካዊ ወኪል ቅድሚ ሕዚ ዘጋጥሙ ሃገራዊ ሓደጋታት ንምምካት ዝነበረ ሓድነት ሕዚ’ውን ኣሜሪካዊያን ኣብ ሓንቲ ጀልባ ኢና ዘለና ኢሎም።

ኣሜሪካ እናቆልቆለት እያ፡ወይ ድማ ፅልዋና እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ ዝብለኩም ዝኾነ ይኹን ሰብ እንተሃሊዩ እቲ ሰባ እንታይ ይዛረብ ከምዘሎ ኣይፈልጥን ኢሎም ኦባማ።

ናይ ኒውጀርሲ ኣባል ቤት ምኽሪ ዝኾኑ ኣባል ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ፍራንክ ፓሎን ፕሬዝዳንት ኦባማ ንዘቕረብዎ ናይ ኢኮኖሚ ትልሚ ዘለዎም ዝለዓነ ናእዳ ይገልፁ።

ሪፓብሊካዊ ተወካሊ ቤት ምኽሪ ሳውዝ ካሮላይና ዝኾኑ ጆ ዊልሰን ግን ናይቶም ፕሬዝዳንት ቁጠባዊ ኣጀንዳ ሽግር እንተዘይኮይኑ ዘምፅኦ የለን ይብሉ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ዝወጠንዎ ቁጠባዊ ትልሚ ሒዞም ካብ ሎማዕንቲ ረቡዕ ጀሚሮም ንሰለስተ ማዕልታት ኣብ ሓሙሽተ ክፍለ ግዝኣታት ተዘዋዊሮም ንህዝቢ ኣሜሪካ ምቕራብ ክጅምሩ እዮም።

XS
SM
MD
LG