ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ኣልቡርሃን ከም እትሰርሕ ገሊጻ


ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ኣልቡርሃን ከም እትሰርሕ ገሊጻ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:43 0:00

ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ኣልቡርሃን ከም እትሰርሕ ገሊጻ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ከይዲ ሱዳን ምስ ኣቦ ወንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ከም እትሰርሕ ፕ/ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ገሊጹ። ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንጉዳይ ስደተኛታት ሱዳን፡ ምንጻል ደቡብ ሱዳንን ካልእ ጉዳያትን’ውን ጠቒሱ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣመሓዳሪ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP)ን ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ዝዀኑ ኣቺም ስታይነር ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብምጕዓዝ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምርኻቦም ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ። ከም መግለጺ መልእኽቲ ትዊተር ኣቶ የማነ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንጉዳይ ጸጥታ እቲ ዞባ ዝምልከት መልእኽቲ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ’ውን ኣብጺሑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG