ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቻይና ብዓይኒ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል


ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቻይና ብዓይኒ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:42 0:00

ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቻይና ብዓይኒ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ዝምድና ኤርትራን ቻይናን ብሰንበት ናብ ቻይና ድሕሪ ምእታው ምስ በበይኖም ሰብ-መዚ እታ ሃገር ርክባት የካይዱ ምህላዎም ብሰፊሑ ተጸብጺቡ’ዩ።

ሰኑይ፡ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ፡ ንኽብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበሩዎ ኣቀባብላ፡ ንሓያሎ ተዓዘብቲ ምናልባት ኣብ ዝምድና ቻይናን ኤርትራን ሓድሽ ምዕራፍ ዝተኸፍተ ይመስል ከም ዝብሉ ገይሩ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዝሰሓበ ኣቀባብላ ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ከ ኣብ ርክባት ክልቲኣን ሃገራትን ተራ ኤርትራ ኣብቲ ዞባን ዓለምን እንታይ ክፍለ ይኽእል? ምስ ኤርትራን ቃልሳን ካብ ፈለማ 1970ታት ኣትሒዙ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል፡ ትዕዝብቱ ከካፍለና ተወኪስናዮ ኔርና። ዳን ኮነል ብዛዕባ ኤርትራ ኣመልኪቱ ነዊሕ ዝጸሓፈን ንፖለቲካ ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተልን’ዩ። ዛጊት ንኤርትራ ማእከል ዝገበሩ 'Against All Odds' እትርከቦም ሽዱሽተ መጽሓፍቲ ዘሕተመ’ዩ።

ትዕዝብትኻ ኣብዚ ዑደት ንዝብል ሕቶ ዳን ኮነል ክምልስ እንከሎ፤ "ክልተ ነገራት’ዩ። ፈለማ ፖለቲካዊ ጕዕዞ’ዩ እቲ ካልኣይ ድማ ቁጠባዊ’ዩ። ኤርትራ ብቝጠባ ኣዝያ ተዳኺማ ስለ ዘላ’ዩ መስለኒ ከኣ ኣብዚ ዑደት እቶም ኣሰንዮም ዝኸዱ ሰብ-መዚ ኣብ ጽላት ቍጠባ ዝነጠፉ’ዮም። እቲ ቀንዲ ግን ፖለቲካዊ መሲሉ ይስመዓኒ። ቻይና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ድምጺ’ያ ትዕድግ ዘላ። ከም ዝረኣናዮ ድማ ኤርትራ ድምጻ ክትህብ ድሕር ትብል ኣይትመስልን። ስለዚ ድማ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ፡ ኢሳይያስ ድምጹ ንቻይና ከም ዝህባን ቻይና ድማ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ድጋፋ ከተርኢ ምዃናን ንምስምማዕ ዝኸዱ ይመስለኒ።”

ቀጺሉ ንዳን ኮነል ዝሰዓበሉ ሕቶ፡ ኤርትራ ከም ንእሽቶ ሃገር መጠን ንቻይና ክሳብ ክንድኡ ከተገድስ ትኽእል ዲያ ዝብል’ዩ። ኮነል ክምልስ እንከሎ፤ “ኩሉ ድምጺ የገድስ’ዩ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ድምጻ ንሩስያ ዝሃበት ኣርባዕተ ሃገራት ከም ምንባራ መጠን፡ ድማ ቻይና ኣብዚ ዓቢ ዕድል ከም ዘሎ’ያ እትሓስብ። ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ናብ ኣፍሪቃ ዑደት ገይሩ ነይሩ። እቲ ዑደት ድምጺ ኣፍሪቃውያን ንምኽሳብ ዝዓለመ’ዩ። ሓንቲ ካብኣተን ድማ ኤርትራ’ያ።”

ኣብቲ ሰኑይ ዝተኻየደ ርክብ ክልተ መራሕቲ ሃገራት፡ ፕረዚደንት ሺ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብቐንዱ ድማ መንግስታት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሩዎ እገዳ ከም ዘይቅበሉዎ ኣመልኪቶም ነይሮም። ማዕከናት ዜና ቻይና ከም ዝጸብጸበኦ ድማ፡ ፕረዚደንት ሺ ንናጻ ሕርያ ኤርትራ ብምድጋፍ፡ ናይ ካልኦት ኢድ ኣእታውነት፡ ቻይና ብመትከል ከም እትቃወሞ ጠቒሶም።

ድሕሪ’ዚ ዑደት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰነ ብመንጽር ዘቤታዊ፡ ከባብያዊ ወይ ዞባዊ ክርአ ዝኽእል ምዕበላታት እንተሎ’ውን ዳን ኮነል ኣብ ምላሹ፤ “ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ኢሳይያስ ናይ ደገ ድጋፍ ከም ዘለዎ ንመርኣዪ ክጥቀመሉ ዝኽእል ይመስለኒ። ብዝዓበየ ድማ እዚ ኣጋጣሚ፡ ኢሳይያስ ካብ ቻይና ዘለዎ ድጋፍ ኣብ ግምት ኣእትዩ ምስ ኣመሪካ ዘለዎ ተጸራርነት ክውስኸሉ ይኽእል’ዩ።"

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ፡ ኣብቲ ብሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝግበሩዎ ርክብ፡ ምስ ኤርትራ ኣሎ ንዝበሉዎ ታሪኻዊ ምትእስሳርን ዝምድናን ብምጥቃስ፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ወፍሪ ቅናት ጽርግያ ቻይና (Belt and Road Initiative) ከምኡ’ውን ኣብ ውሕስነት ሰላም ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ዝሰርሑ’ውን ጠቒሶም። ሓደ ካብቲ ፕረዚደንት ሺ ዝጠቐሱዎ ሓባራዊ ወፍሪ ትሕተ-ቅርጺ፡ ሕርሻ፡ ዕደና፡ ሃብቲ ዓሳን መራኸቢታትን ይርከቦ።

ብዛዕባ’ዚ ዝተጠቕሰ ሓባራዊ ወፍርታት ግን ዳን ኮነል ዝተፈልየ ርእይቶ’ዩ ዘለዎ። ብኣረኣእያ ዳን ኮነል፡ ኤርትራ ኣዝያ ንእሽቶ ሃገርን ውሑድ ዓቕሚን ከም ምህላዋ መጠን፡ ንቻይና ከርብሕ ዝኽእልን ዘገድስን ብዙሕ ኣሎ ኢሉ ከም ዘይኣምን ይሕብር። እተን ዝርካበን ናይ ኤርትራ ወፍሪ ኣብ ዕደና ምዃነን ዘመልከተ ዶን ዶነል፡ እቲ ጽላት ዕደና’ውን ብቐንዱ ብቻይናውያን ተባሒቱ ስለ ዘሎ፡ ካልእ ሓድሽ ወፍሪ ተስፋ ዝህብ ሃዋሁ ከም ዘየሎን ብሕጂ’ውን ዝተፈልየ ከም ዘይጽበን ጠቒሱ።

ንሕጂ ቅልጡፍ መርኣዪን ዝኸውን ገለ ፈተነታት ክህሉ ከም ዝኽእል ዝጠቐሰ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል፡ ኪንዮኡ ዝኸይድ ናይ ነዊሕ ወፍሪ ክህሉ ግን ትጽቢት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG