ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝቐጸለ ዘይፍትሓዊ ዝበልዎ ተግባር ዳግም ትኹረት ክግበረሉ ጸዊዖም


ናይ ኤርትራ ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ
ናይ ኤርትራ ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ

ናይ ኤርትራ ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝቐጸለ ዘይፍትሓዊ ዝበልዎ ተግባር ዳግም ትኹረት ክገብረሉ ጸዊዖም።

ብመሰረት ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ መልእኽቶም ከምዚ ዝበለ ከተመኽንየሉ ዘይኸአል ተግባራት ንዓለምለኸ ሕግን ሞራል ዝጥሕስ ጥራይ ዘይኮነስ ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ሓደጋ ዘእትው’ዩ ኢሎም’ለው።

ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብይን ካብ ዝህብ 14 ዓመታት ምቁጻሩ ዝጠቐሱ ፕረዝንደት ኢሳያስ ሉዓላዊ መሬት ኤርትራ ገና ኣብ ጥሕቲ ጎበጣ’ሎ ኢሎም። እቶም መራሕቲ ሃገራት ድማ ልዑላዊነት ሕጊ ኽኽበርን ከረጋግጹን ጸዊዖም።

ብዛዕባ’ቲ “ዘይሕጋዊን ዘይፍትሓውን ኣንጻር ኤርትራ ዝተገብረ” ዝበልዎ ማዕቐባት ኸአ ፕረዝደንት ኢሳያስ እቲ ዘይፍትሓዊ ማዕቐባት ሕግን ሓቕነትን ኣብ ዘይብሉይ መታለልን ምህዞን ክስተት ተመስሪቱ ዝሓለፈ’ዩ ዕላምኡ ኸአ ዓለምለኸ ትኹረት ካብቲ ዝተጎብጠ ሉዓላዊ መሬት ኤርትራ ንምርሓቕ’ዩ ኢሎም።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዝወጸ መግለጺ ፕረዝደንት ኢሳያስ ኣፈወቂ ኣብቲ መልእኽቶም ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝቀጸለ ግጉይ ተግባራት ጎበጣ ኣብ ሉዓላዊ ግዝኣታትን ክዕረ ዘይከአል ጉድኣት ኣውሪዱ’ዩ ድሕሪ ምባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዘይ ወዓል ሕደር ጌጋታቱ ክእርም ጸዊዖም ኣለው ይብል።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቕምቲ ዝትግበሩ ማዕቐባት ክቕጽሉን ስልጣን ተቖጻጻሪ ማዕቐባት ሶማልን ኤርትራን ክሳብ 2017 ፍርቂ ወርሒ ታሕሳስ ክናዋሕ ምውሳኑ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG