ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ፈረንሳ ኢማኑኤል ማርኮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ኣብ ኣፍሪቃ የካይዱ


ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮ ናይ ስለስተ መዓልታት ዑደት ኣብ ኣፍሪቃ ንምክያድ ሎሚ ሶሉስ ቦርኪኖፋሶ ኣትዮም ኣለው።

ፕረዚደንት ማክሮን ምስ ፕረዚደንት ቦርኪኖፋሶ ሮሽ ማርክርስትያን ካቦሮ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም ኣለው። ዑደት እቶም ፕረዚደንት ፈረንሳ ንተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ መደረ ንምግባርን ኣብ ኡጋዱጉ ዝርኸቡ ማሕበረሰብ ፈረንሳ ንምዝርራብ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማርኮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣፍሪቃ የካይዱ ኣለው
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:06 0:00

ቀንዲ ትኹረት ዑደቶም ጉዳያት ጸጥታ፡ ናይ ስራሕ ዕድልን ለውጢ ክሊማን ስደተኛታትን ዝጠመተ’ዩ።

ፕረዚደንት ማርኮን ጽባሕ ረቡዕ ኣብ ኣይቨሪኮስት ዝካየድ ሓባራዊ ኣኼባ ሕብረት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ከምዝሳተፉን ቀንዲ ዛዕባ እቲ ኣኼባ ንጉዳያት መንእሰያት ኣፍሪቃ ምኳኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG