ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኣሜሪካ ንዓንኬል ጣልቃ ምትእትታውን ህውከትን ክተቛርጾ ኣለዋ’ ኢሎም ዶናልድ ትራምፕ


ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ
ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ንኣብ ጉዳይ ሃገራት ጣልቃ ዘይምእታው ፖሊሲ ንኣሜሪካ ዘለዎም ራኢ ብምድፋእ፣ ሓይልታት ኣሜሪካ ‘ኣብ ዘይግባኦም ከባቢታት ክዋግኡ የብሎምን’ ኢሎም።

ንሶም ኣብ’ቲ ትማሊ ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ዝነበሮም 'ኣኼባ ንምምስጋን' - ‘ቀንዲ ትኹረቶም ኣብ ምድምሳስ ፈጠርቲ ራዕዲ ክኾን’ዩ’ ኢሎም።

ዶናልድ ትራምፕ ‘መሊእና ንዘይንፈልጦም መንግስታት ንምውዳቕ ኢልና ኣይንጽዕርን ኢና፣ ኣይንሳተፍን ኢና’። ‘ኣሜሪካ ኣብ ቀለበት ኣዕናዊ ጣልቃ ምትእትታው ካብ ምስታፍ ክትቁጠብ ይግባእ’ እውን በሉ።

ንሰራዊት ኣሜሪካ ምሕያል፣ ዓቅሙ ንምጥንኻር’በር ንጎበጣ ኣይኮነን’ ይብሉ ዶናልድ ትራምፕ።

XS
SM
MD
LG