ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ኩነተ-ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ


President D. Trump
President D. Trump

ትማሊ ሰሉስ ምሸት ፈላማይ መደረ ኩነተ-ሃገር ዘስምዑ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ‘ንሓድነት ኣሜሪካዊያን ጸዊዖም ከምኡውን ኣብ ፖሊሲ ወጻኢን ቁጠባን ተመዝጊቡ ንዝበልዎ ዓወትን’ ኣጉሊሆም።

‘ኣፈላላያትና ንጎኒ ገዲፍና፣ ንዘረዳዳኣና ዓቂብና፣ ክንምረጽ ከለና ትጽቢት ንዝተገበረልና ንምዕዋት ንተሓባበር’ በሉ እቶም ፕረዚደንት።

ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ‘ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝዋሃብ ገንዘብ ኣሜሪካ ናብ መሓዙት ሃገራት ዝበሉወን ሃገራት ጥራሕ ንክዋሃብ ዘኽእል ሕጊ ንከጽድቕ ጸዊዖም።

ትራምፕ ኣብ ቅድሚ ኣብዛሓ ሪፐብሊካዊያን ዝዓብለልዎ ቤት ምኽሪን ህዝቢ ኣሜሪካን ዘስምዕዎ መደረ ‘ምትእምማን’ ዝዓሰሎ ነይሩ።

‘ሕልሚ ኣሜሪካ ካብ’ዚ ንርከበሉ ዘመን ንላዕሊ ተፈጢሩ ኣይፈልጥን። ስለዚ ካብ ገዛውትኹም ኮይንኩም ነዚ ፈነወ ትዕዘቦ ዘለኹም ኩልኹም ክብሎ ዝደሊ፣ ኣብ ዝጸናሕክምዎ ጽንሑ፣ ካብ ዝመጻኽምዎ ምጹ፣ እዚ ጊዜ’ዚ ጊዜኹም’ዩ። ተጊህኩም እንተሰሪሕኩም፣ ነብሰ ምትእምማን ኣለኩም እንተኾይኑ፣ ኣብ ኣሜሪካ እምንቶ ኣለኩም እንተኾይኑ፣ ዝደለኽምዎ ክትሓልሙ ይካኣለኩም’ዩ። ዝደለኽምዎ ክትኮኑ ይካኣለኩም’ዩ። ሓቢርና ኩሉ ነገር ክንፍጽም ንኽእል ኢና’ ኢሎም ትራምፕ።

ግብረ መልሲ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ብወዲ ማሳቹሰትስ ኣባል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ዶ ኬነድይ’ዩ ተዋሂቡ። ከም’ዚ በለ ንሱ፣

ሰሚዕኩም’ዶ! ዓሚ ዕግርግር ዝመልኣ ዓመት ኢልካ ምዝራብ ይካኣል’ዩ። ወገናዊነት። ፖለቲካ። ግን ካብኡ ዝገደደ’ዩ እቲ ጸገም። እዚ ምምሕዳር’ዚ ነቶም ዝሕልውና ሕጊታት ጥራሕ ኣይኮነን ዘጥቅዕ ዘሎ፣ ንመሰረታዊ ኣተሓሳስባ ‘ንሕና ሓለዋ ይግባኣና’ዩ ዝብል ኣምር’ውን’ዩ ዘጥቅዕ ዘሎ። ነዚ ምምሕዳር’ዚ፣ ክብሪ ማለት ምሳኻ ሓቢሩ ዝፍጠር ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ክብሪ ምስ ዘለካ መጠን ገንዘብ፣ ተፈላጥነትካን በዝሒ ትእክቦ ህዝቢን’ዩ ዝተኣሳሰር’ በሉ ንሶም።

ኣካል ውግእ ጸረ ግብረ ሽበራ ኮይኑ መዳጎኒ ስፍራ ጉዋንታናሞ በይ ክፉት ኮይኑ ንክቕጽል ንሚንስትር መከላኸሊ ጂም ማቲስ ክሓትት’የ’ውን ኢሎም ኣለው ፕረዚደንት ትራምፕ።

ኣሜሪካ ኣንጻር ፕሮግራም ንዩክለር ኢራንን ስርዓት ሰሜን ኮርያን ጽዑቕ ስራሕ ከምትዓይይ’ውን ኣፍሊጦም’ዮም ትራምፕ።

XS
SM
MD
LG