ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ገለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ተማኺሮም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ

ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ገለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ትማሊ ረቡዕ ተማኺሮም። ኣብ ጉዳያት ቑጠባ፣ ንግዲ፣ ውግእ ግብረ-ሽበራን ካልኦትን ተዘራሪቦም።

ምስ መራሕቲ ኮትዲቭዋር፣ ኢትዮጵያ፣ ጋና፣ ጊኒ፣ ናሚብያ፣ ናይጀርያ፣ ሴነጋል፣ ኡጋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኒውዮርክ ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ‘ካብ ናይ ዓለምና ስሉጥ ምዕባለ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት እተን ሽዱሽተ ኣፍሪቃዊያን ሃገራት’የ’ ኢሎም።

'ኣሜሪካ ኣብ ዘፈራት ሕርሻ፣ ሓይሊ፣ መጓዓዝያ፣ ጥዕና፣ ቱሪዝምን ካልኦትን ኣፍሪቃ ምስታፋ ንናብራ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክቕይሮ’ዩ እውን' በሉ።

'ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኮንጎ ቀጺሉ ብዘሎ ግጭት ኣዝዮም ከምዝተሻቐሉ፣ ህይወት ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ’ሎ፣ እንተኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ምልጋስ ኣየቛረጽናን' በሉ ትራምፕ ኣብ ዘረበኦም።

XS
SM
MD
LG