ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ናይ ኣፍሪቃ ዑደቱ ሎሚ ብወደብ ሎቢቶ ይዛዝም


ኣብ ኣንጎላ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ክግበር ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ናይ መጨረሽታ መደቡ ናብ ወደባዊት ከተማ ሎቢቶ ብምብጻሕ፡ ንዝካየድ ዘሎ ስራሓትን ካልእ መፍረ ሕርሻን ተዓዚቡ።

ኣመሪካ፡ ንልምዓት እዚ ወደብን መስመር መንገዲ ባቡርን ናይ 550 ሚልዮን ዶላር ብልቓሕ ዝወሃብ ወፍሪ ገይራ ኣላ። እቲ መስመር ባቡር ናብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ዝዝርጋሕ ኰይኑ፡ ካብኡ ኣገዳሲ ንዝብሃል ማዕድናት ናብ ሃገራት ምዕራብ ንምምጻእ፡ እዚ መስመር ኣፍደገ ክኸፍት ትጽቢት ይግበሮ።

ኣካል’ዚ ኮሮዲዮ ዝዀና መራሕቲ ሃገራት ኣእንጋዲት ሃገር ኣንጎላ ፕረዚደንት ዡዋ ሎሬንሶ ፡ ፕረዚደንት ደሞክራሲያዊት ርፓሊክ ኮንጎ ፈሊክስ ትሺከዲ፣ ፕረዚደንት ዛምቢያ ሃኪንደ ሂቺለማ፣ ምኽትል ፕረዚደንት ታንዛኒያ ፊሊፕ ኢስዶር ምፓንጎ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ ናይ ኣንጎላ ዑደቱ እንኮላይ ንቤተ-መዘክር ንግዲ ጊልያነት ዝበጽሐ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ረቡዕን ትማሊ ሰሉስን ዑደቱ ደጊሙ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ክህሉዋ ንዝደልዮ ጽምጾ ኣጉሊሑ ተዛሪቡ። “ብልጽግና ኣፍሪቃ፡ ዕብየት ዓለም ማለት’ዩ፡” ዝበለ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ድሕሪ ምእንጋድ ዋዕላ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ ጥራይ ምምሕዳሩ ክሳብ ናይ 40 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG