ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ጆ ባይደን ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዎም ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ንቫይረስኮሮና ምቕልዖምን ቀሊል ምልክታት'ቲ ሕማም ከምዘርኣዩ ዝተገለጹ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ቕድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ብቴሌቭዥን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዎም ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዘሕለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ "ደሓን እየ: ንዝተጨነቅኩምለይ የመስግን: ስርሓይ ብግቡእ ይሰርሕ ኣለኹ"ኢሎም።

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሃቢት ቃል ዣን-ፒየር ብመርመራ ሓካይም መሰረት ፕረዚደንት ባይደን ንሳርስ-ኮቭ2 ምቕልዖም ከምዝተረድኡ ድሒሮም ብዘካየድዎ መርመራ ድማ ነዚ ምርግጋጾም ሓቢረን።

ኣተሓባባሪ ጉዳያት ቫይረስኮሮና ኣብ ዋይት ሃውስ ዶ/ር አሺሽ ዣ ምስ ሓካይም እቶም ፕረዚደንት ምዝርራቦምን እቶም ፕረዚደንት ምሉእ ክታበትን መበራትዒን ምውሳዶም አካላቶም ሕማም ናይ ምጽዋር ተክእሎ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ብምሕባር ዝረኣ ዘሎ ከም ሰዓል: ንፋጥን ድኻምን ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ምክልታት ምዃኖም ገሊጾም።

መምርሒ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ(ሲዲሲ) ከምዝእዝዞ ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ንገዛእ ርእሶም ኣግሊሎም ከምዘለው ግን ኩሉ ስርሖም ብግቡእ ይሰርሑ ምህላዎም ፓክስሎቪድ ሕክምና ምጅማሮምን ዶ/ር አሺሽ ዣ ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡን ትማሊ ኣብ ማሳቹሰት ኣብ ብርቱዕ ዋዒ ንኣስታት ፍርቂ ሰዓት መደረ ምስምዖም ሓቢረን።

ዣን ፒየር ወሲኸን በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ባይደን ጂል ባይደን ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃነን ንቡር ስርሓን የካይዳ ምህላወን ሓቢረን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG