ካብ ሳን ፍራንሲስኮ ካሊፎርንያ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቦታ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ኤስያ-ፓሲፊክ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂፒንግን ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም። ንጂንፒንግ ሕጂ `ውን ከም ውልቀ-መላኺ ከም ዝርእይዎ ዝገለጹ ፕረ.ባይደን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም።
ድሕሪ ናይ 12 ኣዋርሕ ውጥረት ዝመልኦ ድራማን ዲፕሎማስን ኣብ መንጎ ዋሺንግተንን በይጂንግን ክልቲኦም መራሕቲ ትማሊ ረቡዕ ታሪኻዊ ርክብ ኣካይዶም ኣለው።
ኣብ ዋዕላ ቁጠባ ኤስያ-ፓሲፊክ፡ ኣገደስቲ ብዛዕባ ዝብሃሉ፡ ጉዳይ ታይዋን፡ ወተሃደራዊ ርክባት፡ ብዛዕባ ኣብ ንግዲ ዘሎ ዘይምስምማዕን ዕጸ-ፋርስ ፈንታንልን ንምዝርራብ ተገዳስነት ከምዝነበዎ ዋይት ሃውስ ኣቐዲሙ ሓቢሩ ኔሩ።
መራሒ ቻይና ሺ ጂፒንግ ኣብቲ እዋን ርክብ፡ ክልቲአን ሃገራት ሕቖአን ክወሃሃባ ኣማራጺ ክኸውን ኣይክእልን ክብል ተዛሪቡ።
“ከም ቻይናን ኣመሪካን ንዝበላ ዓበይቲ ሃገራት፡ ነንሕድሕደን ሕቖአን ኵወሃሃባ ኣማራጺ ኣይኮነን። ሓንቲ ነታ ሓንቲ ብናታ ኣካይዳ ክትቀርጻ `ውን ክውንነት ዘለዎ ኣይኮነን።ግጭትን ምትፍናንን ከኣ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ሳዕቤን ጥራይ`ዩ ከምጽእ ዝኽእል።"
ድሕሪ`ቲ ርክብ ፕረዚደንት ባይደን`ውን ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ብዙሕ ዛዕባታት ኣወንታዊ ስጉምትታት ከም ዝተራእየ `ዩ ገሊጹ።
“ ሎሚ ዝወሰድናዮ ስጉምትታት ኣወንታዊ `ዩ። ዝበለጸ ዲፕሎማሲያዊ ልምዲ ኣመሪካ ምጥቃምና`ውን ዓለም ክፈልጥ ኣለዎ።ምስ ተወዳደርትና ኢና ንዘራረብ ዘለና። ብግልጺ ኢና ተዘራሪብና ። እቲ ቁልፊ ነገር ድማ ትርጉም ዘለዎ ዓለማዊ ምርግጋእን ንህዝቢ ኣመሪካ ዝረብሕ ውጽኢትን ምምጻእ`ዩ።"
ባይደን እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ወዲኡ ክምለስ ከሎ ኣብ ዝነበረ ናይ ጫውጫውታ ሕቶ ግን፡ ከምዚ ክብል፡ ምናልባት `ውን ንበይጂንግ ከቖጥዕ ዝኽእል ነገር ተዛሪቡ፡ “ ዋእ—ስምዓኒ፡ ከምኡ እዩ`ምበር፡ ማለተይ፡ ውልቀ መላኺ`ዩ" እዚ ኣበሃህላ ምናልባት ንበይጂንግ ከቖጥዕ ዝኽእል ኣበሃህላ`ዩ ይብሉ ገለ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ነቲ ርክብ መራሕቲ ቻይናን ኣመሪካን ዝከታተሉ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ካብቲ ርክብ ዓቢይ ውጽኢት ይጽበዩ ከም ዝነበሩ ገሊጾም፡ ግን ክልቲኦም ምዝርራቦም `ውን ጽቡቕ `ዩ ይብሉ። ቀዳማይ ሚንስተር ማለይዥያ ኣንዋር ኢብራሂም ኣብቲ ዋዕላ ኤስያ-ፓሲፊክ ተረኺቡ ኔሩ፡ ርእይትኡ ድማ ከምዚ ክብል ሂቡ፡፡
“ ኣብ መንጎ ባይደንን ሺ ጂፒንግን ዝተግብረ ጽምዶ ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ንሕና ኣብዚ ዘለና ብሓባር ክንሰርሕ ክንክእል፡ ነንሕድሕድና ክንተኣማመን ፡ ከም ለውጢ ክሊማ፡ጉዳይ ዩክሬን ወይ ቓዛ ዝበሉ ጸገማትና ብሓባር ክንፈትሕ`ዩ።ኣብ ዓለምና ብዙሓት ኣሰሓሓብቲ ጉዳያት ኣለ። ስለዚ ኣብ ጽምዶ ኣቲኻ ክትፈትሖም ክትፍትን ኣለካ።"
ተንተንቲ`ውን እቲ ርክብ ንክልቲአን ዓበይቲ ሃገራትን ንሃገራት ኤስያ ፓሲፊክን ኣገዳሲ ምንባሩ ይኣምኑ። ኣብ ታይዋን ዝመጽእ ጥሪ ዝግበር ምርጫ፥ ከምኡ`ውን ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ንዓመታ ወርሒ ሕዳር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝግበር ምዃኑ ካልእ ኣገዳስነት ዘለዎ `ዩ ክብሉ ይጠቕሱ።
ባይደን ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ርክብ ዳግም ናብ ቦትኡ ክምለስ፡ ብኣርቲፍሻላዊ ብልሒ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣት ኣተሓሕዛ ክገብርሉ ብሓባር ክሰርሑ፥ ከምኡ`ውን ነቲ ካብ ቻይና `ዩ ምንጩ ዝብሃልን ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ህይወት ሰብ ብዙሕ ጉድኣት የውርድ ከም ዘሎ ዝንገር ፈንታኒል ዝብሃል ዕጸ-ፋርስ መግትኢ ክግበረሉ ኣብ ምርድዳእ ምብጽኦም ጠቒሱ`ሎ።
ቅጥዒ