ዋሽንግተን —
ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ዋሺንግተን ዲሲ፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ተራኺቦም ንውሑስ ምስግጋር ስልጣንን ካልእ ኣገደስቲ ጉዳያትን ኣመልኪቶም ዘትዮም።
ኣብቲ ርክብ፡ “ፖለቲካ ቀሊል ኣይኰነን፡ እንተዀነ ንኸምዚ ዝመስል ስሩዕን ሰላማዊን ምስግጋር ክንገብር ምኽኣልና ዘሕጉስ’ዩ፡” ክብሉ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ባይደን’ውን ምምሕዳሩ ነቲ ምስግጋር ስልጣን ምሉእ ምትሕብባር ከም ዝገብር ሓቢሩ።
ክልቲኦም ኣብ ኣዝዮም ኣገደስቲ ጉዳያት ከም ተራ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን፡ ሃገራዊ ጸጥታዊ ጉዳያትን ካልእ ዛዕባታትን ኣመልኪቶም ክዝትዩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
ቅጥዒ