ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ትማሊ ሓሙስ 8 ሰነ 2023 ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ሪሽ ሱናክን ኣብ ዋይት ሃውስ ተራኺቦም ኣብ ምዕባለ ጸዓትን ምልውዋጥ ኣገዳሲ ዝኾነ ቴክኖሎጅን ዘተኮረ ልዝብ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ።
ዩክሬን ኣንጻር ወራር ሩስያ ኣብ ትገብሮ ምክልኻል ድማ ምሕጋዞም ከም ዝቕጽሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ሓዲሽን ኣገዳስን ቴክኖሎጂታት መሪሕነተን ከረጋግጻ ዝደልያ ዝያዳ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ቁጠባዊ ውሕስነት ከምኡ ዲጂታል ስግግር`ዩ። ከምኡ`ውን ናብ ጽሩይ ጸዓት ክሰጋገሩ ፕረዚደንት ባይደንን ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃዋስ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ሪሽ ሱናክ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ'ሎ።
"ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ሪሽ ሱናክ ብዛዕባ ቁጠባዊ ሽርክነት ኣዝዩ ጽቡቕ ዝርርብ ጌርና`ለና። ከምኡ`ውን ብዛዕባ ዘገድሱና መሳርሕታት ልዝብ ጀሚርና ኣለና፡ ኣብ ምፍታሕ ቅልውላው ክሊማ`ውን ተሰማሚዕና ኣለና።"
ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱነክ ብወገኑ እቲ ውዕል ኣትላንቲክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስምምዕ ኣብ ተጻባእቲ ሓይልታት ዝግበር ስትራተጂካዊ ጽግዕተኝነት ከጉድል`ዩ ኢሉ።
ቅጥዒ