ድሕሪ ፈተነ ቅትለት መወዳድርቱ ዶናልድ ትራምፕ ንፈለማ እዋን ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ሰሉስ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ ንኸምኡ ዝመስል ናይ ጎነጽ ባህሪ ቦታ ከም ዘይብላ ደጊሙ ኣዘኻኺሩ። ባይይደን ኣብቲ ንኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ኣድመጽቲ ኣብ ክፍለ-ሃገር ኔቫዳ ኣብ ዝገበሮ ርክብ’ዩ ነዚ ቃል ሂቡ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ነቲ ብቐዳም ዘጋጠመ ኣሰካፊ ፍጻመ’ዮም ከም ማእከል ዛዕባኦም ገይሮም።
ኣብ ላስ-ቬጋስ ብሰሉስ ንመብዛሕትኦም ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ኣድመጽቲ ኣብ ዘስምዑዎ ናይ ጎስጓስ ምርጫ ቃል “ንሙቖት ምድሪን ብብረት ዝመጽእ ቅትለታትን ከነጉድል ሓላፍነት ኣሎና፡” ኢሎም።
ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ብቐዳም ኣብ ፐንሲልቫንያ ኣንጻር ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ ዝተገብረ ፍሹል ፈተነ ቅትለት፡ ሓደ ኣብነት ናይቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርአ ተደጋጋሚ ጎነጽ ብብረት ምዃኑ’ዮም ኣስሚሮም።
“ንዶናልድ ትራምፕ ንምቕታል ዝፈተነ ሰብ ብAR-15 ዝተባህለት ዓይነት ብረት’ዩ ተኲሱ። እዚ ዓይነት ብረት’ዚ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሓያሎ፡ ቆልዑ’ውን ዝሓወሰ፡ ጃምላዊ ቅትለት ውዒሉ’ዩ። ክኽልከል ዘለዎ ዓይነት መሳርያ’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ምኽልካሉ ሰሪሐ ነይረ፡ ሕጂ’ውን ክቕጽል’የ፡”ኢሎም ባይደን ነቲ ኣውቶማቲካዊ ጠበንጃ ንምኽልካል ዝነበረ ሕጊ ኣብ 2004 ድሕሪ ምውዳቑ ብምዝኽኻር።
ትራምፕ በቲ ፈተነ ንእሽቶ ኣብ እዝኖም’ዮም ተሃሪሞም። ተሓኪሞም ድማ ኣብቲ ሰኑይ ዝጀመረ ዋዕላ ርፓብሊካውያን ተረኺቦም።
ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ባይደንን ትራምፕን ኣቐዲሙ መዘራረቢ ዛዕባ ዝነበረ ዕድመን ድሕሪ ክትዕ ዝነበረ ግብረ-መልሲን’ዩ። ድሒሩ ዝሰዓበ ፈተነ ቅትለት ግን ነቲ ዛዕባ መሊሱ ሓላሊኹዎን ተወሳኺ ኵርናዕ ወሲኹሉን።
ዊልያም ሆወል መምህር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ኣብ ዩኒቨርስቲ ቺካጎ’ዩ። “ብሓደ ገጽ ኣዘራረቢ ዝዀነ ጉዳይ ዕድመ ኣሎ። ካልኣይ ዛዕባ ድማ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ዝረኽቡዎ ዘለዉ ጸብለልታ’ዩ። ኣብ መንጎ’ዚ ድማ ንሕብረትን ሓድነትን ክትጽውዕ ኣድላዪ ይኸውን። ነዚ ሰለስቲኡ ጉዳያት ኣብ ሓደ ከተጣምሮ ግን ቀሊል ኣይኰነን።”
ብመሰረት ዝካየድ ዘሎ ዳህሳስ ህዝባዊ ርእይቶ፡ እንኮላይ ንኔቫዳ ሓዊስካ፡ ኣብተን ኣከራኸርቲ ዝብሃላ ክፍለ-ሃገራት ትራምፕ ንባይደን ይመርሑዎ ኣለዉ።
ትራምፕ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ኣድመጽቲ ዝረኽቡዎ ዘለዉ ድጋፍ’ውን ሓደ ካብቲ ንፕረዚደንት ባይደን ዘሻቕሎም ዘሎ ይመስል። ኣብቲ ናይ ኔቫዳ፡ ምስ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ኣድመጽቲ ዝገበሩዎ ርክብ’ውን ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ንኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ብፍሉይ ፈጢረዮ ዝብሉዎ ናይ ስራሕ ዕድላት’ውን ሓጪጮምሉ ነይሮም።
ባይደን ኣብ መድረኦም ደጋጊሞም ንሓድነት ጸዊዖም ነይሮም። ካብ ትጽቢት ሓያሎ ወጻኢ’ውን ትራምፕ ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪቦም’ዮም።
እዚ ምስ ፈተነ ቅትለት ተተሓሒዙ ዝመጽእ ዘሎ ስምዕታት ግን ምስ ግዜ እናሃሰሰ ምኻዱ ኣይተርፎን’ዩ። ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ድሕሪ ዝገብሩዎ ጉባኤ ግን ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዘሎ ቅልስ መሊሱ ምውሳኹ ዘይተርፍ’ዩ ትብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ።
ቅጥዒ