ፕረዚደንት በራክ ኦባማ መበል 44 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ዘገልገልሉ ጊዜ የብቅዕ ኣሎ።
ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ንፈለማ ጊዜ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመርጸ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካዊ፣ ምስ ባዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቆምን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ናብ መድረኽ ዝወጹሉ ዕለት ፍሉይ ተዘክሮ ገዲፉ’ዩ ሓሊፉ።
ኣሜሪካዊያን ዋላ’ውን ምስ ዝትግብርዎም ፖሊሲታት እንተተፈላለዩ፣ ንኦባማ ብምእባድ ስድራ-ቤት ዝላዓለ ነጥቢ ይህብዎም።
ኣብ መድረክ ዓለም ከይተረፈ፣ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ ምስ’ተን ኣሜሪካ ዕጹው ፖሊሲ ዝጸንሐን በርማን ኩይባን ማዕጾ ርክባት ከፊቶም’ዮም። ንህዝቢ ኩይባ’ውን ብቀጥታ ተዛሪቦም’ዮም።