ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳርፉር: ንምብጻሕ ፕረ. በሺር ብምቅዋም ብዝተላዐለ ግጭት 3 ሰባት ሞይቶም


 ፋይል - ፕረዚደንት ዑመር አል በሽር
ፋይል - ፕረዚደንት ዑመር አል በሽር

ምስ ምብጻሕ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዞባ ዳርፉር ብዝተተሓሓዘ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስቲ ሱዳንን ተመዛበልቲ ዳርፉርን ብዝተወልዐ ግጭት ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት 26 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ኣብ ዳርፉር ገሊጹ።

ብኽስታት ጃምላዊ ህልቂትን ገበን ኲናትን ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝድለዩ መራሒ ሱዳን ፕረ. ዑመር ኣል በሽር ሎሚ ዓርቢ 22 መስከረም,2017ዓ.ም ኣብ ዞባ ዳርፉር ዑደት ኣብ ዝገብሩሉ ዝነበሩ ግዜ’ዩ እቲ ግጭት ተላዒሉ።

ንሶም ናብ ዞባ ዳርፉር ዑደት ዝገብሩ ዘለው: ኣሜሪካ ብሰንኪ ኣብ ዳርፉር ዝተበገሰ ኩነታት ዓሰርተ ዓመት ንዘቑጸር ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ዝመጽእ ወርሒ ከተልዕሎ ወይ ድማ ክትቅጽሎ ውሳነ ክትበጽሕ ምዃና ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ ግዜ’ዩ።

ዑደት ፕረ. ዑመር ኣልበሽር ኣብቲ ብኲናት ዝተሃስየ ዞባ ዳርፉር ዕርቂ ንምስፋን ምዃኑ’ዩ ተነጊሩሉ። ንሶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ህዝቢ ዓለም ንሕና ኣብ ሻታያ ምስ ህዝቢ ሻታያ ከምዘለና ክሰምዕ ኣለዎ ምባሎም ድማ ተሓቢሩ።

ዳርፉር: ንምብጻሕ ፕረ. በሺር ብምቅዋም ብዝተላዐለ ግጭት ሰለስተ ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:47 0:00

ንህዝቢ ሻታያ ከመስግን ይደሊ ስለቲ ዝተገብረ ዕርቂ ዝበሉ ፕረዚደንት ኣልበሽር ክሳብ ኩሎም ተመዛበልቲ ናብ ቤቶምን ሕርሻኦምን ዝምለሱ ደገፍ ከምዘየቋርጽሎም ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጾም።

ሓላፊ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዞባ ዳርፉር ጀረሚያ ማማቦሎ ብወገኖም ኣብቲ ግጭት ዘጋጠመሉ ቦታ ህድኣት ክዓስል ጸዊዖም ኣለው።

ሻታያ ኣብ ዞባ ዳርፉር ትርከብ ቑሸት ኮይና ኣብ 2003ዓ.ም ከቢድ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝተራእየላ ቑሸት ምዃና’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ሄግ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ሰራዊት ሱዳን ኣብቶም ደቀባት ዓሌታት ኣፍሪቃውያን ዝነብሩለን ከተማታትን ቑሸታትን ዞባ ዳርፉር ብፍላይ ድማ ኣብ ፉር: መሳሊት ከምኡ’ውን ኣብ ዛግሃዋን ዘይቅቡል መጥቃዕቲ ምፍጻሞም እዮ ዝኸስስ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 300 ሽሕ ሰብ በቲ ዕግርግር ዞባ ዳርፉር ከምዝሞቱን ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣብ ዓበይቲ መዕቆቢ ቦታታት ከምዝተዓቑቡ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG