ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ንክልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ኢትዮጵያ መደረ ኣስሚዖም


ኢትዮጵያን ግብፅን ኣብ መንግአን ዘሎ ምጥርጣር ንምውጋድን ምትእምማን ንምፍጣርን ክሰርሓ ከምዘለወን ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ኤል-ሲሲ ፀዊዖም።ናይ ሰለስተ ማዕልታት ዑደቶም ሎሚ ዝዛዘሙ ኤል-ሲሲ ንወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌደረሽንን ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ መቐሎ ማይ ሩባ ናይል ተስፍኦምን ሻቐለቶም ገሊፆም ኣለው።

ፕሬዝዳንት ዓብድል ፋታሕ ኤል-ሲሲ ኣብ መደርኦም ኢትዮጵያ ንምልማዕ ዘለዋ ድልየት እርዳእ እየ፤ፀጋታት ንምጥቃም ግጭት ክወገድ ድማ ኣድላዩ እዩ ኢሎም።

ብምስዓብ ‘’ግብፃዊያን ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን እውን ናይ ምልማዕ ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ምንባር መሰል እውን ኣለዎም።ኣብ ወሰና ወሰን ሩባ ናይል ብሰላም ክነብሩ እውን ዝሓወሰ እዩ’’ኢሎም

4 ቢሊዮን ዶላር ትሃንፆ ዘላ ግድብ ህዳሴ ግብፂ ናይ ናይል ማይ ከይትጥቀም ዝኽልክል ኣይኮነን ትብል ኢትዮጵያ።ካብቲ ግድብ ዝምንጪ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ዕዳጋን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ሃገራት ንምሻጥን ክውዕል እዩ።

እቶም ፕሬዝዳንት ነዚ መደረ ዘስምዑ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝን ፕሬዝዳንት ኦማር ኣል-በሽርን ናይ ናይል ስምምዕ ምስተፈራረሙ ድሕሪ ክልተ ማዕልታት እዩ።

ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ኣይወፀን።እንተኾነ ግን እቲ ውዕል ሃገራት መፋስስ ናይል ኣብ መንጉአን ዘሎ ዘይምርድዳእ ኣብ ምፍታሕን እታ ሓንቲ ነታ ካሊእ ጉድኣት ከይተብፅሕን ዝጠመተ እዩ።ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝርዝር ስርዓት ኣካይዳ/ procedures /ከምዝሰርሑ እውን ቃል ኣትዮም ኣለው።

ፕሬዝዳንት ኤል-ሲሲ መራሕቲ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማይ ኣብ ምርድዳእ ክበፅሑ ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም።

እዚ ስምምዕ እዚ ኩለን ናይቲ ተፋሰስ ሃገራት ናብ ዝሓቁፍ ስምምዕ ከምርሕ ይኽእል እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።

ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ንኽልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ መደረ ምስምዖም ዘመስገኑ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ ናይቶም ፕሬዝዳንት ዑደት ዝፀንሑ ዘይምርድዳኣት ብልዝብ ንምፍታሕ ዘለዎም ድልየትን ናይ ፖለቲካ ቆራፅነትን ዘርኢ እዩ ኢሎም።

ምስ ፕሬዝዳንት ኤል-ሲሲ ዝተራኸቡ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዝተረኸብ ቀንዲ ውፅኢት ኣብ ክልቴና ዝተርኣየ ፖለቲካዊ ፍቓደኝነትን ቅሩቡነት እዩ ኢሎም።’’ምእንታ ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታትን ኣብ ክልቲኡ ህዝብታትን ሃገራትን ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳርን ክፀንዕን ክቕፅልን እዩ’’ኢሎም ብምስዓብን።

ዝበዝሕ ማይ ካብ ኢትዮጵያ ዝፍልፍል እንተኾነ ብመሰረት ዝኣረገን ኢትዮጵያ ዘይሓወሰን መግዛእታዊ ውዕል ልዕሊ 80 ሚእታዊ ማይ ናይል ግብፂ ንኽትጥቀመሉ መሰል ዝህብ እዩ።ኢትዮጵያ ኣብ 2012 / ህንፀት ግድብ ህዳሴ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ኣብ መንጎ ግብፅን ኢትዮጵያን ወጥሪ ንሂሩ ነይሩ።

ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኣስታት 40 ሚእታዊ ተዛዚሙ’ሎ።

XS
SM
MD
LG