ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሌጅ ሕክምና እንስሳ መቐለ ኣብ መኸተ ድርቂ ይነጥፍ


ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና እንስሳ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ነቲ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ተፈጢሩ ዘሎ ድርቂ ዝኸፈአ ሳዕቤን ከይፈጥር ኣብ ምድላዋት ይርኸብ።

ሓላፊ እቲ ኮሌጅ ዶ/ር በሪሁ ገብረኪዳን ከምዝገለጽዎ ፈለማ እቲ ሓደጋ ኣበየናይ ከባቢታት እዩ ክረአ ዝኽእል ዝብል ተጸኒዑ'ሎ ኢሎም። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ሕጽረት ዝስተ ማይ፣ ጸገማት ቀለብን ሕማም እንስሳን ከጋጥሙ ካብዝኽእሉ ቀንዲ ጸገማት እዮም ተባሂሎም ተነጺሮም ኣለዉ።

ኣብዚ ድማ ሕብረተሰብ ማይ ብኣግባቡ ንኽጥቀም ሰፊሕ ኣስተምህሮ ይወሃብ'ሎ። ኣብ ቀለብ ዝምልከት ድማ ተረፈ ምህርቲን ተረፍ መግቢ ብምእካብ ሳይንሳዊ ብዝዀነ መንገዱ ናብ ቀለብ እንስሳ ክውዕል ይስራሕ'ሎ።

ብሰንኪ ሕጽረት ቀለብ ንዝፍጠር ሕማማት እንስሳ ንምክልኻል ድማ ሰፊሕ ወፍሪ ክታበት ንምሃብ ምድላዋት ይግበር ምህላዉ ዶ/ር በሪሁ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

ኮሌጅ ሕክምና እንስሳ መቐለ ኣብ መኸተ ድርቂ ይነጥፍ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:18 0:00

XS
SM
MD
LG