ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዳለዊ ዝርርብ ሰላም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ፈደራል መንግስቲን ጀሚሩ


ከተማ ኣዲስ ኣበባ- ፋይል
ከተማ ኣዲስ ኣበባ- ፋይል

ኣብ መንጎ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ፈደራላዊ መንግስቲን መጀመሪ ንኣገባብ እቲ ዘተ ዘማእዝንን ቅድመ-ምድላው ኣብ ደሴት ዛንዚባር ትማሊ ሰሉስ ምጅማሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ወሃብ-ቃል እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኦዳ ተርቢ እዚ ፈላሚ ርክብ ምትእምማን ንምፍጣርን ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዘሎ ኣገባብ ዘተ ባይታ ንምንጻፍን ደኣ’ምበር ብቐንዱ እቲ ዘተ-ሰላም ኣይኰነን ክብል ነቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ'ሎ።

እዚ ኣብ ደሴት ዛንዚባር ዝካየድ ዘሎ ፈላሚ ርክብ ጽባሕ ሓሙስ ክዛዘም ትጽቢት ይገብር።

ኬንያን ኖርወይን ንዝርርብ ሰላም ከም ዝመርሓ ንወሃብ-ቃል እቲ ግንባር ብምጥቃስ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኢጋድን ኣብቲ ከይዲ ዘተ ክሳተፉ ተኽእሎ ከም ዘሎ’ውን እቲ ወሃብ-ቃል ጠቒሱ።

ንመንግስቲ ዝውክሉ ተዛተይቲ፡ ብኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ዝምርሑ ኰይኖም፡ ካብ መንጎኦም ሚኒስተር ፍትሒ ጊደዎን ጢሞቲዎስ ከም ዝርከቦም’ውን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ኣሶሴይትድ ፕረስ ካብ ወገን መንግስቲ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጦን።

XS
SM
MD
LG