ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ምምሕዳሩ ንዝስርሑ መዝነት ምሃብ ቀጺሉ'ሎ


ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ
ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ክኸውን ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ንናይ ቀደም ደጋፊኡ ጆን ራትክሊፍ ንሲ-ኣይ-ኤ ክመርሕ መዚዙ። ሓደ እዋን ደሞክራት ዝነበረት ድሓር ግን ቀንዲ ደጋፊቱ ዝተቐየረት ቱልሲ ጋባርድ ድማ ሓላፊት ሃገራዊ ስለያ ጌሩ መዚዝዋ።

ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያ ክትከውን ዝመዘዛ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ዝኾነት ቱልሲ ጋባርድ፡ ብዛዕባ ምምራጽ ትራሞፕ ክትዛረብ ከላ፡ ንኵናት ዘይኮነስ ንሰላም ኢኹም መሪጹም ክትብል ተሰሚዓ ኔራ።

"ዘለና ምርጫ ከምዚ እዩ። ንካመላ ሃሪስ ምምራጽ ማለት ንዲክ ቸኒ ምምራጽ ማለት`ዩ። ንኵናት ምምራጽ ማለት`ዩ። ንተወሳኺ ኵናት፡ ንኵናት ሳልሳይ ዓለም፡ ንኑክሌራዊ ኩናት። ንዶናልድ ትራምፕ ምምራጽ ማለት ድማ ፡ ኵናት ክጅምር ዘይኮነስ፡ኵናት ከዕርፍ ንዝደሊ ሰብ ምምራጽ ማለት`ዩ።"

ሓደ እዋን ደሞክራት ዝነበረት ኮይና ንትራምፕ ሓያል ድምጺ ዝኾነት ቱልሲ ጋባርድ፡ንኣመሪካ ዳግም ዓባይ ክንገብራ ንትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ክንመልሶ ኣለና ዝብል ጎስጓስ ጌራ`ያ።

ሕጂ ትራምፕ ብግዲኡ ንዕኣ ናብ ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያ ክምዝዛ ከሎ፡ ፍርሒ ዘይብሉ መንፈስ ዝተላበሰት ጋባርድ ናብ ስርሓ ተምጽኦ `ውን ንሱ`ዩ ክብል ገሊጽዋ ኔሩ። ቱልሲ ጋባርድ ኣብ ሃገራዊ ወተሃደራዊ ሓለዋ ኣመሪካ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዘገልገለት `ያ።

እንተኾነ ሓደ ኣሰሓሓቢ ጉዳይ`ውን ተዛሪባ ኔራ። ኣመሪካ ትምውሎ ትካል ባይሎጂካዊ ኣጽዋር ኣብ ዩክሬን ኣሎ ንዝብል ፕሮፓጋንዳ ሩስያ ኣንጸባሪቓ ዝብል ንደሞክራትን ሪፓብሊካውያን ኣባላት ባይቶ ኣቖጢዑ ኔሩ። እዚ ንሳ ዝበለቶ ድማ ብሰበ-ስልጣን ስለያ ኣመሪካ ሓቂ ከም ዘይኮነ ተገሊጹ`ዩ። ሪፓብሊካን ሰነተር ሚት ራም `ውን ናይ ክሕደት ሓሶት ክብል ከሲሱዋ- ንሳ ግነ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።

ጋባርድ ምስቲ ብገበናት ኵናት ዝኽሰስ መራሒ ሶርያ ባሻር ኣል-ኣሳድ ብምርኻባ`ውን ተነቒፋ ኔራ። ንሳ ግን "ምስ ጸላእትኻ እንተዘይተዛሪብካ ብዛዕባ ሰላም ትግደስ ኢኻ ክብሃል ኣይክኣልን`ዩ" ዝብል ምላሽ ሂባትሉ።

ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ንሲ-ኣይ-ኤ ማለት ሃገራዊ ስለያ ኣመሪካ ክመርሕ ዝመዘዞ ጆን ራትክሊፍ ድማ ኣብቲ ቀዳማይ እዋን ስልጣኑ ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያ ጌርዎ ዝነበረ ናይ ቀደም መሓዝኡ`ዩ። ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ከሎ ኣባል ኮሚቴ ስለያ ዝነብረ ጆን ራትክሊፍ፡ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ክሲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ኣብ ጎኒ ኮይኑ ተሟጉቱሉ ኔሩ።

" ሎሚ ካብዞም ኣብዚ ዘለኹም፡ ትራምፕ ካብ ስልጣን ዘውርድ ገበናት ፈጺሙ ኢልኩም ትኣምኑ `ዶ ? እስከ ዓው ኢልኩም ተዛረቡ። ወላ ሓደ የለን። " ክብል ተማጉትሉ ኔሩ።

ትራምፕ ውን ሓያል ደጋፊ ራትክሊፍዩ። ኣብ 2019 ንሓላፍነት ሃገራዊ ስለያ ምስ ተረቑሐ፡ ሽሙ ካብቲ ምርቋሕ ክስሕብ ብኣባላት ባይቶ ጸቕጢ ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን፡ ትራምፕ ኣብ ጎኑ ጠጠው ኢሉ ኔሩ።

መሓውራት ዜና ንራትክሊፍ ብጌጋ ይገልጽዎ ኣለዉ። ዝገብርዎ ዘለዉ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ጆን ራትክሊፍ ብሉጽ ሰብኣይ`ዩ ዝብል ምስክርነት ሂብሉ።

ራትክሊፍ ኣብቲ እዋን ምስ ኣባላት ባይቶ ዝተጋጨወ፡ ብዛዕባ`ቲ ሩስያ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ ኢድ ምትእትታው ጌራ ዝብል ስለያ ብዕሊ ናብ ህዝቢ ክቕላዕ ድሕሪ ምሕታቱ`ዩ። ኣንጻር ብኻልኦት ማለት ኢራን ሩስያ ቻይና ዝግበር ዝበሎ ምትእትታው'ውን ይማጎት ኔሩ። ሕጂ ንሃገራዊ ስለያ ኣመሪካ ክመርሕ ብዶናልድ ትራምፕ ተረቑሑ ዘሎ ጆን ራትክሊፍ ኣብ ሪፓብሊክና ሓደ ድምጺ ንሓደ ሰብ ካብ ዝብል ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ዝበልጽ ቅዱስ ነገር የለን ክብል ተሰሚዑ'ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG