ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ኮንጎ ዓቀብቲ ሰላም ሕ/ሃገራት ካብ ሃገሩ ክወጹ ጸዊዑ


ፕረዚደንት ኮንጎ ፍለክስ ትሺከዲ
ፕረዚደንት ኮንጎ ፍለክስ ትሺከዲ

ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ካብ ሃገሩ ክወጹ ፕረዚደንት ኮንጎ ፍለክስ ትሺከዲ ንባይቶ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኒው-ዮርክ ንሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ትሺሰከዲ፡ ሃገሩ እቶም ዓቀብቲ ሰላም ክሳብ መወዳእታ`ዚ ዓመት ጠቕሊሎም ከም ዝወጹ ከተረጋግጽ ትደሊ`ያ ኢሉ።

እቲ ምውጻእ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ክፍጸም ተዘትይሉ እንተነበረ`ኳ፡ ሕጂ ግን ክቀላጠፍን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ናይ`ዚ ዓመተ 2023 ክፍጸም መምርሒ ሂቡ ከም ዘሎን ፕረዚደንት ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ብ `ሞኑስኮ` ዝብል ምሕጻረ ቃል ዝፍለጥ ተልእኮ ዓቃቢ ሰላም፡ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ንዝነበረ ስእነት ጸጥታ ንምርግጋእ ተባሂሉ ኣብ 2010 ናብታ ሃገር ዝኣተወ እንተኾነ ካብ ሒደት ዓመታት ጀሚሩ ፡ ካብ ህዝቢ ድጋፍ እናተፍጎ`ዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ዝሓለፈ ወርሒ`ኳ ኣንጻር`ቶም ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ዝተገብረ ኣድማ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም`ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG