ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ኣብ መስከረም ዝካየድ መበል 71 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕ/ሃ ንስደተኛታት ዝምልከት ጉባኤ መራሕቲ ከምዘአንግዱ ተገሊጹ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ዝቕፅል መስከረም መበል 71 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ንስደተኛታት ዝምልከት ጉባኤ መራሕቲ ከምዘተኣናግዱ ኣማኻሪት ሃገራዊ ፀጥታ ዩናይትድ ስቴትስ ሱሳን ራይስ ኣፍሊጠን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሳማንታ ፓወር ምስ ወኪላት ሕቡራት መንግስታትን ነቲ ናይ ስድተኛታት ጉባኤ ብሓባር ዘዳልዋ ሃገራት ካናዳ፣ኢትዮጵያ፣ጀርመን፣ጆርዳን፣ሜክሲኮ፣ስዊድንን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታትን ተራኺበን ኣለዋ።

ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ ኣብ ዓለም ኣስታት 20 ሚሊዮን ስደተኛታት ኣብ ዝርከብሉ እዋን ንስደተኛታት ዝግበር ሓለዋን ሓገዝን ዝተዋደደን ሓባራውን ዓለምለኸ ፃዕሪ ንምሕያል ኣገዳሲ እዩ ኢለን ሱዛን ራይስ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG