ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቸክ፡ ንዝኽሪ መጥቃዕቲ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ


ኣብ ፕራግ ርእሰ-ከተማ ቸክ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ 14 ተመሃሮ ተቐቲሎም፡ 25 ድሕሪ ምቝሳሎም እታ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝኸፍአ ተባሂሉ ዘሎ ጃምላዊ መቕተልቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ነብሱ ቀቲሉ’ዩ።

ፈጻሚ መጥቃዕቲ ወዲ 24 ዓመት ተመሃራይ ዩኒቨርስቲ ቻርለስ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ካብ መንጎ’ቶም ዝቖሰሉ 25 ተመሃሮ፡ ክልተ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሓደ ድማ ካብ ኔዘርላንድስ ንትምህርቲ ዝመጽኡ ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣስፊሩ ኣሎ።

ፈጻሚ እቲ መጥቃዕቲ፡ ፖሊስ ክሃድኑዎ ምስ መጽኡ ኣብ መወዳእታ ነብሱ ከም ዘሕለፈ ተፈሊጡ ኣሎ። ዛጊት ተገይሩ ብዘሎ ምርመራ ምስ ዝኾነ ጥሩፍ ጕጅለ ምትሕሓዝ ዘለዎ ኣይመስልን። ድርኺት ናይቲ ኣልማም ቅትለት ግን ፖሊስ ዛጊት ኣይበጽሖን።

እቲ ስሙ ዘይተረቝሐ ቀታሊ፡ ናብቲ ዩኒቨርስቲ መጺኡ ነቲ ተግባር ቅድሚ ምፍጻሙ፡ ኣብ ገዛ ነቦኡ ቀቲሉ ምምጻኡ ፖሊስ ድሒሩ ኣመልኪቱ። ቅድሚ ውሑድ መዓልታት ኣብ ዝተፈጸመ ቅትለት ጓል ክልተ ወርሒ ጓሉ’ውን ኢድ ክህሉዎ ከም ዝኽእል ፖሊስ ሓቢሩ።

ኣብ ቸክ ከምዚ ዝመስል ጃምላዊ ቅትለት ልሙድ ኣይኰነን። ቅድሚ’ዚ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣብ 2015 ህይወት ሸሞንተ ዜጋታት ዝወሰደ ምዃኑ ኣሶሴይትድ ፕረስ ጠቒሱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG