ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤተ መዘክር ፕራግ  3.18 ሚልዮን ዓመት ዝዕድሚኣ ሉሲ ንምርኢት የቕርብ


 ኣብ ፕራግ ንምርኢት ዝቐረበት ሉሲ
ኣብ ፕራግ ንምርኢት ዝቐረበት ሉሲ

መቦቀል ወዲ ሰብ ምኳና ዝግለጽ ቅርሲ ሉሲ ገለ ክፋል ካብ ኣዕጽምታ ኣብ ቤተ መዘከር ፕራግ ንምርኢት ምቕራቡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ። እታ ብዙሕ ካብ ኢትዮጵያ ወጺኣ ዘይትፈልጥ 3.18 ሚልዮን ዝዕድሚኣ ሉሲ ንፈለማ እዋን እያ ኣብ ቸኽ ሪፖብሊክ ንምርኢት ቐሪባ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቼክ ፔትር ፍያላ ነቲ ካብ ሃገራዊ ቤተ- መዘክር ኢትዮጵያ ብልቓሕ ከምዝተረኽበ ዝሓበርዎ ኣዕጽምቲ ሉሲ ኣብ ሃገራዊ ቤተ -መዘክር ፕራግ “መቦቆልን ሰረተ ህይወት ደቂ ሰባት” ንምልላይ ኣብ’ቲ ካብ ነሓሰ 25 ጀሚሩ ንኽልተ ወርሒ ኣብ ዝፀንሕ ምርኢት ንምቕራብ ዘለዎም መደብ ገሊፆም።

እቲ ምርኢት ጎኒ ንጎኒ ሉሲ ሳላም ዝተባህለት ካብ ሉሲ ብ100 ሺሕ ዓመት እትዓብይ ናይ ህፃን ቆልዓ ኣስከሬን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ናይ ሉሲ 25 ዓመት ፀኒሓ ዝተረኽበት’ውን ከምዝህሉ ተሓቢሩ።

“እዚ ታሪኻዊ ምርኢት ንበጻሕቲ ሃገርን ተመራመርትን ነዚ ብዋጋ ዘይትመንን ኣብ ዕድሚኦም ንፈለማ እዋን ዘጋጥም ዕድል ብቐጥታ ንምርኣይ ዘኽእል እዩ” ክብላ ሚኒስትር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ሰላማዊት ካሳ ተዛሪበን።

ሉሲ ኣብ 1974 እያ ኣብ ኢትዮጵያ ተረኺባ። ሉሲ ካብ ኢትዮጵያ ክትወፅእ እዚ ናብ ኣውሮጳ ጉዕዞ ንኻልኣይ ጊዜ እዩ። ቅድሚኡ’ውን ናብ ኣመሪካ ወፂኣ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG