ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ - ኣብ መስመር ኤሌትሪክ ጉድ ኣት ምብጽሑ ሰብ-መዚ ሓቢሮም


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ካብ ቆቃ ናብ ሁርሶ ዝተዘርገሐ መስመር ኤሌትሪክ ጉድኣት ብምግጣሙ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ 2 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣዋሽ ፈንታሌ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓንዲ ተሸካሚ ኤሌክትሪክ ብዝተፈፀመ ስርቂ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጉድኣት ከምዝወረደ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ እዚ ድማ በቲ መስመር ኣቢሉ ናብ ከተማታት ምብራቕ ኢትዮጵያ፣ ናብ ጅቡቲን፣ ናብ መስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲን ዝኸይድ ዝነበረ ሓይሊ ኤሌትሪክ ምቁራፅ ኣጋጢሙዎ ምንባሩ እቲ ትካል ገሊፁ።

ናብ ዝተጠቐሳ ከባብታትን ናብ ምድር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲን ብኻልእ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ኣቶ ፍሰሃ ጌታቸው ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም። ምድር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ብወገኑ እቲ ናይ ሕጂ ፀገም ሓዊሱ፣ ኣብ ልዕሊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝወርድ ዘሎ ጉድኣት፣ ንምቅንስቓሳቱ ዓብዪ ፈተና ከምዝኾኖ ንድምፂ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፣ እቲ ጉድኣት ዝበፀሖ መስመር ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ከምዝዕረ ገሊፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG