ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፖርቱጋል ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 7 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ፖርቱጋል ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዱር
ኣብ ፖርቱጋል ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዱር

ኣብ ማእከላይን ሰሜናዊን ፖርቱጋል ኣብ ዝርከብ ዱር ብዝተፈጥረ ባርዕ ሓዊ ዛጊት ንሰለስተ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊሱ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 7 ክብ ኢሉ'ሎ። ኣብቲ ብቐዳም ዝጀመረ ባርዕ ቁጽሪ ዝቆሰሉ ሰባት 40 ከምዝበጽሐ ሎሚ ሰሉስ ንመንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና'ታ ኣሃገር ሉዛ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፖርቱጋል ኣብዚ እዋን ምስ ዘጋጠምዋ ልዕሊ 50 ንጡፋት ባርዕ ሓዊ ንምግጣም ኣስታት 5,300 መጥፋእቲ ሓዊ ኣዋፊራ ትሰርሕ ዘላ ኾይና ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ’ውን ትፅውዕ ኣላ።

ሰብ መዚ ብሰንኪ ባርዕ ንሊዝበንን ፖርቶን ዘራክብ ቀንዲ ዓብዪ ፅርግያ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መገድታት ዓፅዮም። ኣብ ሰሜናዊ ፖርቱጋል ንዝርከቡ ክልተ መስመራት ባቡር ምትእስሳራቶም ክቛረፅ ወሲኖም ኣለው።

ኣብ ኣቬሮ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ጥራሕ ልዕሊ 10 ሽሕ ሄክታር መሬት ምንዳዱ ሰበስልጣን ገሊፆም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG