ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ሃንጋሪ ኣትዮም


ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ሎሚ ዓርቢ ሃንጋሪ ኣትዮም። ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ቪክተር ኦርባን ክራኸቡ መደብ ኣሎ።

ሰንበት ድማ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ንህዝቢ ቅዳሴ ክመርሑ እዮም።

እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቲ ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ፡ ኣውሮጳ ቅልውላው ስደተኛታትን ኲናት ዩክሬንን ተደራሪብዋ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።

ንሶም ካብ ወራር ሩስያ ምስ ዝሃደሙ ዩክሬናውያን ኣብ ዝራኸብሉ እዋን ብዛዕባ ክልቲኡ ጸገማት ከምዝዘራረቡ እውን ትጽቢት ይግበር።

ቀዳማይ ሚንስተር ቪክተር ኦርበን ኣብ 2015፡ ሰርባውያን ናብ ሃንጋሪ ከይኣትዉ ሓጹር ጌርሎም ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ንዩክሬናውያን ግን ማዕጽኡ ከፊቱሎም ኣሎ።

እንተኾነ ከምቲ ካልኦት ኣውሮጳውያን መዘነታቱ ዝገበርዎ ንዩክሬን ኣጽዋር ኣየቕረበን።

ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ቀዳማይ ሚንስተር ሃንጋሪን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበርን፡ ኲናት ዩክሬን ብልዝብ ክፍታሕን ክጽውዑ ዝጸንሑ እዮም።

XS
SM
MD
LG