ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፊያት ቺንከ ቸንቶን ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሲስን እንታይ ኣራኸቦም?


ንዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ አብ አሜሪካ ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ሓደ ክስተት እቶም ሊቃነ ጳጳስ ንመጓዓዝያ ዝመረጽዎ መኪና’ዩ።

ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ አብ ፕረዚደንታዊ መደበር መዓርፎ ነፈርቲ አንድሪውስ ድሕሪ ምእታዎም: ነቲ ናይ አሜሪካ ዑደቶም ዝመረጽዋ መኪና ፊያት 500L (ብልሙድ ፊያት ቺንከ ቸንቶ) ዝዓይነታ ንእሽቶይ መኪና’ያ። እዛ መኪና ዘይከም ካልኦት ብመራሕቲ ሃገራት ዝጥቀሙለን ሊሞዚንን ተተኳሲ ብረት ዘይበስዐን ኮይና ዝተሰርሐት ኣይኮነትን።

እዚ ምርጫ መጓዓዝያ ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሰስ ነቲ አንጻር አህላኽነትን ንንዋታዊ ነገራት አተኩሮ ዘይምሃብን ዝብል መርገጺኦም’ ውን ዘንጸባርቕ ይመስል። ብካልእ ወገን ድማ እዚ ምርጫ እቶም ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ጸጋማዊ መርገጺኦም ዘርኢ እዩ ዝብሉ ወገናትውን አይተሳእኑን።

“ካብ ትምህርታት ቤተክርስትያን ወጻኢ ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረብኩን። ገለ ሰባት ግን ነዚ ብጌጋ ክርድእዎ ይክእሉ’ዮም” ዝበሉ ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሰስ - ብ2013 ዓ.ም ካብ ዝቕብኡ ንደሓር ዘይከም ቀዳሞት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሮማ ካቶሊክ መንበሪኦም - አብ መዓረፊ አጋይሽ ክገብሩን ንአሽቱን ትሑት ዋጋ ዘለወን መካይን ንመጓዓዝያ ከዘውትሩን ይረአዩ።

ነቶም ክቡራትን ዓበይቲ መኻይንን ዝጥቀሙ አቕሽሽትን ሊቃነ-ጳጳሳትን ድማ “ መኪና ንብዙሕ አገልግሎት ትውዕል መገልገሊት እያ። ይኹን’ምበር ክቡርን ንመጋየጽን ክንጥቀሙሉ ከለና ግን ክንደይ ህጻናት ድራር ዕለት ሲእኖም ከምዝሓድሩ ክዝከር ይግባእ” ብምባል ይነቅፉ።

ብኻልእ ወገን: እዚ ምርጫ መኪና ሊቃነ ጳጳስ ምስ አብ ባይቶ አሜሪካ ዝካየድዎ መደረ ንለውጢ ክሊማ ዘተአሳስርዎ’ውን ኣይተሳእኑን። ምክንያቱ ንኩነታት ክሊማ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽታቶም “ መሰረታዊ ለውጢ የድልይ’ዩ ንምድርናን ህዝባን ንምሕላው” ብምባል ሓላፍነትን ተገዳስነትን ክውሰድ የገንዝቡ።

እዛ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝመረጽዋ ፍያት 500L መኪና ዋጋአ ካብ 20,000 ዶላር አሜሪካ ንታሕቲ ይግመት።

ብተወሳኺ ገለ መርበብ ሓበሬታት እዚ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዘድልዮ ወጻኢታት ብፍላይ አብ ከተማ ፊላደልፍያ 48,000 ዶላር ተገሚቱ አሎ።

እዚ ወጻኢታት ብመንስቲ አሜሪካን ካቶሊክ አብያተክርስትያን አብ አሜርካ ዝርከቡ ከምዝሽፈን እተን መርበብ ሓበረታ ገሊጸን አለዋ።

XS
SM
MD
LG