ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ናብ ሞንጎልያ ይበጽሑ


ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ሓደስትን ውሑዳትን ካቶሊካውያን ማሕበረ-ሰብ ንምትብባዕ ሎሚ ሞንጎልያ ኣትዮም። ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ነታ ብመሬት ዝተኸበበት እስያዊት ሃገር ዝበጽሑ ዘለዉ፡ ቫቲካን ምስ ክልተ ሓያላት ጎረባብቲ መንጎልያ ዝኾና ቻይናን ሩስያን ዘለዋ ምሕዝነት ኣብ ዝሓርፈፈሉ እዋን`ዩ።

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሎሚ ንግሆ ብክሊ ኣየር ቻይና ክሓልፉ ከለዉ ናብ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ፡ “ ሰላም ንኽቡርነትካን ንህዝቢ ቻይናን ፡ ጸጋ ኣምላኽ ሰላምኩምን ሓድነትኩምን ክሕሉ ኣብ ጸሎተይ እዝክረኩም” ኢሎም። ሽሕ`ኳ ኣብ መንጎ ቻይናን ቫቲካንን ዘሎ ዝምድና ሓርፋፍ እንተኾነ፡ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ወንቢን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ንምሕዝነትን ሰናይ ድልየትን ዘርኢ`ዩ፡ ቻይና ምስ ቫቲካን ብሓባር ክትጉዓዝን ምሕዝነት ኣብ ዘደልድል ሃናጺ ጽምዶ ክትኣቱን ቅርብቲ`ያ" ብምባሎም ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ሞንጎልያ ኣብ ዝጸንሕሉ ሰለስተ መዓልታት፡ ኣኼባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከምዝመርሑ፡ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ቡዳይዝም፡ ኣይሁድ፡ እስላምን ከምኡ`ውን ምስ ሩስያ ምሕዝነት ብምሕዳስ ክሕግዙ ኢሎም ዝኣምንሎም መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ሩስያ ተዓዲሞም ኣለዉ።

ሞንጎልያ 3.3 ሚልየን ህዝቢ ዘለዋ ኮይና፡ መብዛሕቲኦም ኣመንቲ ቡዳይዝም`ዮም፡ ካቶሊካውያን ኣዝዮም ውሑዳት ክኾኑ ከለዉ፡ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ግን ነቶም ውሑዳትን ርቡሓትን ክንበጽሖም ኣለና ኢሎም ኔሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG