ዋሽንግተን —
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ዋዕላ ጉጅለ-7 ንምስታፍ ሎሚ ዓርቢ ኢጣልያ ኣትዮም።
ንሶም ኣብቲ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ዘካይድኦ ዘለዋ ዋዕላ ይሳትፉ ዘለው ናይ መጀመርታ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እዮም።
እቶም ርእሰ ሊቃነ-ጳጳስ ብዛዕባ ሓደጋታትን ረብሓን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብዝምልከት መደረ ከስምዑን ምስ መራሕቲ ኣመሪካ፣ ህንዲ፣ ዩክሬን፣ ቱርኪን ብራዚልን ካልኦት ኣካላት ክልትኣዊ ዝርርባት ከካይዱን እዮም።
እቶም ኣብ ቀረባ ዓመታት ናይ ምንቅስቓስ ፀገም የጋጥሞም ዘለው ወዲ 87- ዓመት ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ኣብ ፑሊያ ብሄሊኮፕተር ክበፅሑ ከለው ቀዳመይቲ ሚንስትር ኢጣልያ ጂዮርጂያ መሎኒ ተቐቢለንኦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ቅድሚ ሎሚ ሓደጋታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብምጥንቃቕ እቲ ቴክኖሎጂ ስነ ምግባራዊ ኣገባብ ብዝሓለወ መገዲ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ዘኽእል ዓለምለኸ ስምምዕ ክህልው ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ቅጥዒ