ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ-7 መደረ ንምስማዕ ኢጣልያ ኣትዮም


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ዋዕላ ጉጅለ-7 ንምስታፍ ሎሚ ዓርቢ ኢጣልያ ኣትዮም።

ንሶም ኣብቲ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ዘካይድኦ ዘለዋ ዋዕላ ይሳትፉ ዘለው ናይ መጀመርታ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እዮም።

እቶም ርእሰ ሊቃነ-ጳጳስ ብዛዕባ ሓደጋታትን ረብሓን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብዝምልከት መደረ ከስምዑን ምስ መራሕቲ ኣመሪካ፣ ህንዲ፣ ዩክሬን፣ ቱርኪን ብራዚልን ካልኦት ኣካላት ክልትኣዊ ዝርርባት ከካይዱን እዮም።

እቶም ኣብ ቀረባ ዓመታት ናይ ምንቅስቓስ ፀገም የጋጥሞም ዘለው ወዲ 87- ዓመት ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ኣብ ፑሊያ ብሄሊኮፕተር ክበፅሑ ከለው ቀዳመይቲ ሚንስትር ኢጣልያ ጂዮርጂያ መሎኒ ተቐቢለንኦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ቅድሚ ሎሚ ሓደጋታት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብምጥንቃቕ እቲ ቴክኖሎጂ ስነ ምግባራዊ ኣገባብ ብዝሓለወ መገዲ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ዘኽእል ዓለምለኸ ስምምዕ ክህልው ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG